ሎሚ ኣብ መመርመሪን መወሸብን ማእከላት ዞባታት ጋሽ-ባርካን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 4 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
ንሳቶም ድማ፡ 2 ካብ መመርመሪ ማእከል ባረንቱ – ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ከምኡ’ውን 2 ካብ መወሸቢ ማእከል ናቕፋ – ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 4 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 9,687 በጺሑ’ሎ። 9,554 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 103 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 30 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
19 ለካቲት 2022