Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ ኣብ መመርመሪን መወሸብን ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ደቡብን ዓንሰባን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 5 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም ድማ፡ 2 ካብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ኰይኖም፡ ኣድራሻኦም – ማይተመናይን ጎላጉልን፣ 2 ካብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ደቡብ – ማለት ካብ መንደፈራን ድባርዋን፣ ከምኡ’ውን ሓደ ካብ መወሸቢ ማእከል ከረን – ዞባ ዓንሰባ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 4 ካብ ዞባ ማእከል፡ 3 ድማ ካብ ዞባ ደቡብ፡ ብጠቕላላ 7 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 9,694 በጺሑ’ሎ። 9,579 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 103 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 12 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

 23 ለካቲት 2022

 

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More