Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 2 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ኣድራሽኦም ድማ፡ 1 ካብ መንደፈራ፡ 1 ድማ ካብ ዓዲ ሰጉዶ እዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 3 ካብ ዞባ ማእከል ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 9,698 በጺሑ’ሎ። 9,587 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 103 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 8 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና 

25 ለካቲት 2022

 

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More