Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ዓንሰባን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 7 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም፡ 3 ካብ ዞባ ማእከል ኮይኖም፡ ኣድራሻኦም 2 ካብ ማይ-ዓይኒ፡ ሓደ ድማ ካብ ማይተመናይ፣ ከምኡ’ውን 3 ካብ ባጽዕ – ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ሓደ ከኣ ካብ ዓዲ-ተከሌዛን – ዞባ ዓንሰባ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎ ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቡ ክንክን ክግበረሉ ዝጸንሐ ሓደ ዜጋ፡ ሓውዩ ተፋንዩ’ሎ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 9,715 በጺሑ’ሎ። 9,604 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 103 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 8 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

05 መጋቢት 2022

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More