Business is booming.

8 መጋቢት – ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂኣንስትዮ፡ ብዝተፈላለየ ንጥፈታት ተዘኪራ።

8 መጋቢት – ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂኣንስትዮ፡ “መትከላዊ እምነት – ንመድረኻዊ ግድነት” ብዝብል ቴማ፡ ነታ ዕለት ብዘንጸባርቕ ዝተፈላለየ መሰናድኦታት ተዘኪራ።

ብደረጃ ዞባ ማእከል ኣብ ኣስመራ – ኣዳራሽ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ሃማደኤ ኣብ ዝተኻየደ ንመምርሒታት ምክልኻል ኮሮና-ቫይረስ ኣብ ግምት ዘእተወ ስነ-ስርዓት፡ ኣብ ጨንፈር ሃማደኤ ሓላፊት ምምሕዳርን ፋይናንስን ወ/ሮ ከተማ ቀለታ ቃል ማሕበር ኣስሚዓ።

ቃልሲ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ንምሉእ ኣግእዞ፡ ምስ ቃልሲ መላእ ህዝቢ ንሃገራዊ ናጽነትን ሰብኣዊ መሰልን ሓቢሩ፡ ምርግጋጽ ማዕርነትን ሃገራዊ ናጽነትን ኣብ ምዕዋት ብኣርኣያነት ክጥቀስ ዝኽእል ዓቢ ዓወት ዘመዝገበ ምዃኑ ዝጠቐሰት ወ/ሮ ከተማ፡ እዚ ዘሐብን ታሪኽ ሃገራዊ ቃልሲን ኣንጸባራቒ ዓወታቱን፡ ፍሉይ ካብ ዝገብሮ ረቛሒታት ሓደ፡ ሰፊሕን ኣድማዒን ሱታፌ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ምርግጋጹ ምዃኑ ኣስሚራትሉ።

ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ብዘካየድኦ ቃልሲ፡ ኣብ ጉዳይ ጾታ ሰሪቱ ዝጸንሐ ድሑር ኣመለኻኽታ ሕብረተ-ሰብ ተቐዪሩ፣ መሰልን ማዕርነትን ደቂኣንስትዮ ኣብ ኩሉ ሕጋጋት ሃገር ሰፊሩ፣ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ ህይወት ምዕሩይ ዕድላት ተኸፊቱለን፣ ኣብ ስራሕን፡ ትምህርትን ኣገልግሎታትን ድማ ሱር-በተኽ ለውጢ ከረጋግጻ ከምዝኸኣላ’ውን ኣብሪሃ።

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ሎሚ ዓመት “መትከላዊ እምነት ንመድረኻዊ ግድነት!” ብዝብል ቴማ ተዘኪራ ትውዕል ዘላ 8 መጋቢት፡ ፈታው ሓቂን ርትዒን ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ወትሩ ብስሙር ኣረኣእያ፡ ንግዳማዊ ጣልቃን ምትእትታውን ኣብ ዝምክተሉ ዘሎ መድረኽ ትዝከር ምህላዋ ጠቒሳ፡ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ሎሚ’ውን ከም ትማሊ፡ በቲ ያታአን ዝዀነ መትከላዊ እምነት፡ ነዚ ዘሎ መድረኻዊ ብድሆ ንምስጋር፡ ኣብነታዊ ተራአን ክጻወታ ጸዊዓ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ኣቦ-መንበር ባይቶ ዞባ ማእከል ኣቶ ኣብርሃም ሰመረን ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ማእከል ኣቶ ሳምሶም ክፍለን ናይ ደገፍ ቃል ኣቕሪቦም።

እቲ ጽንብል፡ ብመደብ ዋርሳ፡ ከምኡ’ውን ባህላውን ስነ-ጥበባውን መሰናድኦታት ደሚቑ ነይሩ።

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More