ሎሚ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ዓንሰባ ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ ሓደ ዜጋ – ካብ ዓዲ-ተከሌዛን ብኮሮና ቫይረስ ምልካፉ ተረጋጊጹ’ሎ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 9,723 በጺሑ’ሎ። 9,618 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 103 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 2 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
18 መጋቢት 2022