Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ዓንሰባ ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ ሓደ ዜጋ – ካብ ዓዲ-ተከሌዛን ብኮሮና ቫይረስ ምልካፉ ተረጋጊጹ’ሎ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 9,723 በጺሑ’ሎ። 9,618 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 103 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 2 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

 18 መጋቢት 2022

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More