ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና Local News On Mar 20, 2022 Share ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎ ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቡ ክንክን ክግበረሉ ዝጸንሐ ሓደ ዜጋ ሓውዩ ሎሚ ተፋንዩ’ሎ። በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 9,723 በጺሑ’ሎ። 9,619 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 103 ብሞት ዝተፈልዩ፡ ሓደ ድማ ገና ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቡ ዝርከብ’ዮም። ሚኒስትሪ ጥዕና 20 መጋቢት 2022 Share FacebookTwitterGoogle+ReddItWhatsAppPinterestEmail