ሎሚ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 2 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
ንሳቶም ድማ፡ ሓደ ካብ ጎዳይፍ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ካብ ሰምበል’ዮም።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 9,726 በጺሑ’ሎ። 9,620 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 103 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 3 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
27 መጋቢት 2022