Business is booming.

ኣብ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ኣንጸባራቒ ዓወት ዘመዝገበት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩላ።

ካብ 22 ክሳብ 27 መጋቢት ኣብ ሻርም-ኣሼኽ – ግብጺ ኣብ ዝተኻየደ መበል 18 ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ኣንጸባራቒ ዓወት ዘመዝገበት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ሎሚ ቅድሚ-ቐትሪ፡ ንኽብራ ዝበቅዕ ድሙቕ ህዝባዊ ኣቀባብላ ተገይሩላ።

ኣብ’ቲ ካብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ዝጀመረ ስነ-ስርዓት፡ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ንኹሎም ተቐዳደምቲ ሕቋፍ ዕንባባ ድሕሪ ምብርካት፡ ብስም ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ናይ ምስጋና ቃል ኣስሚዑ።

ኤርትራ፡ ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ብሓደስትን ንኣሽቱን ተቐዳደምቲ ተወኪላ ዘመዝገበቶ ዓወት ፍሉይ ምዃኑ ዝገለጸ ኣምባሳደር ዘመደ፡ ኣብ መጻኢ’ውን ተካእቲ ተቐዳደምቲ ንምፍራይ ብዕቱብ ከምዝስራሓሉ ኣረጋጊጹ።

ኣምባሳደር ዘመደ ኣስዒቡ፡ ምስ ዓበይቲ ክለባት ኤውሮጳ ዝወዳደሩ ፕሮፈሽናል ተቐዳደምቲ ቢኒያም ግርማይን ናትናኤል ተስፋጽዮንን እውን ድሙቕ ዓወት ሒዞም ምስ ሃገራዊት ጋንታኦም ብሓባር ናብ ሃገሮም ምምላሶም፡ ነቲ ኣጋጣሚ ተወሳኺ ድምቀት ከም ዝሃቦ ገሊጹ።

ኣሰልጠንቲ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣቶ ሳምሶም ሰለሙንን ኣቶ ዮናስ ዘካርያስን ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ’ቲ ምስ ቊመናኦም ዘይከይድ ጎልጎል ዝዓብለሎ መወዳደሪ ቦታ ድሙቕ ዓወት ምምዝጋቦም፡ ንዓወቶም ካብ’ቲ ዝሓለፈ ዓወታት ፍልይ ከምዘብሎ ብምሕባር፡ እቶም ተቐዳደምቲ ንዝተዋህቦም መምርሒ ንምትግባር ንዘርኣይዎ ተወፋይነት፡ ውህደትን ናይ ዓወት መንፈስን ሞጒሶም።

ሎሚ ዓመት ኣብ በልጁምን ስጳኛን ብዘመዝገቦ ዓበይቲ ዓወታት ብደረጃ ዓለም ብ526 ነጥቢ ሻድሻይ ደረጃ ሒዙ ዘሎ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ቢኒያም ግርማይ ብወገኑ፡ ኣብ ሰለስተ ዓመት ክምዝገብ ተወጢኑ ዝነበረ ዓወት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ ክሰምር ምኽኣሉ፡ ኣብ ዝቕጽል ናይ ግራንድ-ቱር መድረኻት ተወዳዳሪ ኰይኑ ክቐርብ ዓቢ ሞራል ኰይንዎ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ተዓዋቲ ዙር ርዋንዳ 2022 ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ናትናኤል ተስፋጽዮን’ውን፡ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዘጋጠሞ ናይ ምውዳቕ ሓደጋ ሓውዩ ነዚ ክብሪ’ዚ ምብቅዑ፡ ከምዘሐብኖ ገሊጹ።

ኣብ ሻርም-ኣሼኽ – ግብጺ ኣብ ዝተኻየደ መበል 18 ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ዝተሳተፈት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ብክልቲኡ ጾታታት – ብሓፈሻ 7 ወርቂ፡ 6 ብሩርን 2 ነሓስን ሜዳልያ ብምሽላም፡ ሕልፊ መወዳድርታ ሃገራት ከምዝደመቐት ዝፍለጥ’ዩ።

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More