Business is booming.

ቃለ ቡራኬ ብምኽንያት በዓለ ትንሣኤ ጐይታናን ኣምላኽና መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ 2014 ዓ.ም. (2022 ፈ.)

‘‘ይእዜ እትነሣእ ይቤ  እግዚአብሔር፡ እሬሲ መድኃኒተ ወአግህድ ቦቱ ቃለ  እግዚአብሔር ቃል ንጹሕ ’’ (መዝ. 11፡5)

ክቡራንን ክቡራትን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን እትነብሩ ሕዝበ ክርስቲያን፡ ብሓፈሻ ኵልኹም ሕዝቢ ኤርትራ እንቋዕ ናብ ብርሃነ ትንሣኤኡ፡ ብደኃነ ሰላም ኣብጸሓናን ኣብጸሓኩምን እናበልና ሠናይ ትምኒትና ንገልጸልኩም።

እዚ ዕለት እዚ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ሙስና መቓብር ኣጥፊኡ፡ መቓብር ክፈቱለይ መግነዝ ፍትሑለይ፡ ከይበለ፡ ኻብ ኅቱም መቓብር ተንሢኡ፡ በዅሪ ትንሣኤና ዝኾነሉ ዕለት እዩ። ማቴ፦ 28፡1, ዮሓ፦ 20፡1።

ልበ ኣምላክ ቅዱስ ዳዊት ‘‘ይእዜ እትነሣእ ይቤ እግዚአብሔር ፡ እሬሲ መድኃኒተ ወአግህድ ቦቱ ቃለ  እግዚአብሔር ቃል ንጹሕ ’’ (መዝ ፲፩፡፭ / 11፡5) ክብል ከሎ እግዚኣብሔር ወልድ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ኣብ ከርሢ መቓብር ኃዲረ እትንሥእ፡ ድኅነተ ሥጋን ድኅነተ ነፍስን እገብር፡ ኣብ ሞት(ኣብ ዲያብሎስ) ኃይለይ ብትንሣኤ አፍልጥ ማለት እዩ።

ካብ መቓብር፡ ካብ ሲኦል፡ ካብ ሞትን ግዝኣትን ዲያብሎስ ንምእመናን አድኅኖም ንምባል እዩ፤ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ትንሣኤ ጐይታ ናይ በይኑ ኻብ ሞትን መቓብርን ምትንሣእ ዘይኮነ ንኣና ነዞም ግዙኣት ዲያብሎስ ዝነበርና ኻብ ሞትን ግዝኣት ዲያብሎስን ነጻ ዘውፅአ ትንሣኤ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና፤ እዚ ድማ ብትንሣኤ ተጠቀምቲ ንሕና ደቂ ኣዳም ምዃና እዩ።

ነቲ ንኣና ብነፍስን ሥጋን ዝቐትለና ዝነበረ ሞት፡ ንዘለዓለም ዝተሳዕረሉን፤ እቲ ንወዲ ሰብ፡ እሱር ኃጢኣት ገይሩ ኽገዝኦ ዝጸንሐ፡ ጸላኢ ዲያብሎስ ንዘለዓለም ዝተኣሰረሉ ዕለት እዩ።

ኣዳም ናጻ ዝወፅኣሉን፡ ፍጹም ሓጐስ ዝተጐናጸፈሉን፤ እቲ ንዘለዓለም ዘይነጽፍ ዘለዓለማዊ ፈልፋሊ መንፈሳዊ ሕይወት ሰላም ክርስቶስ ዝተኣወጀሉ፤ ሲኦል ጥራሓ ዝተረፈትሉ፤ ሲኦል ዓው ኢላ ዘእወየትሉ፤ ገነት ዝተኸፍተሉ እዩ። 1ይ ቆሮ፦ 15፡1-ፍጻሜ፣ 1ይ ጴጥ፦ 3፡18-19። እዚ ድማ ድኅነት ሰብ ከምዚተፈጸመ ዘመልክት እዩ።

ስለዚ እዩ ኸኣ ኣብ ዘመነ ትንሣኤ፡ ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን፡ በዐቢይ ኀይል ወሥልጣን፡ አሰሮ ለሰይጣን፡ አግዐዞ ለአዳም፡ ሰላም፡ እምይእዜሰ፡ ይኩን፡ፍሥሓ ወሰላም፤ብምጥቕላል ክትርጐም ከሎ፦ ኻብ ሎሚ ንደኃር ፍጹም ሓጐስ ምእንቲ ክኸውን፡ ክርስቶስ ንሰይጣን ኣሲሩ፡ ንኣዳም ናጻ ኣውፂኡ፡ ብዓቢይ ኃይልን ሥልጣንን ተንሥአ ዝበሃል። (ቅኔ፡መወድስ ያሬድ)

በዚ ኣገባብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ዓመት መጸ ትንሣኤ ክርስቶስ ብሓጐስ ተበሥር።

ስለዚ በዓልና ፍጹም ሓጐስ ምእንቲ ክገብረልና ነቶም ዘይብሎም ነዳያን ዓቕምና ብዝፈቐዶ ካብ ዘለና ብምክፋል ብኃባር ከነኅልፎ ሓደራ ንብል።

እግዚአብሔር ኣምላኽ ሕዝብና ባሪኹ ቅድስት ቤተ ክርስቲያናን ሃይማኖትናን ከጽንዓልና፡ ሃገርና’ውን ክልልት በግርማ ሕጽርት ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ከንብረልና፡ ከምኡ’ውን ኣብ ማየ ጸሎታትን ሆስፒታላትን ተዓቒብኩም እትርከቡ ሕሙማነ ሥጋ ምሕረት፡ ኣብ ሓለዋ ሃገርን ልምዓትን ዘለኹም ሠራዊት ምክልኻል ሃገር ጽንዓት፡ ኣብ ተሃድሶ ዘለኹም ናይ ሕጊ እሱራት ተስፋ ሂቡ ርሑስ በዓለ ትንሣኤ ክገብረልኩም ንምነ።

እግዚአብሔር ኣምላክና ብርሃነ ትንሣኤኡ ብሰላም ከም ዘብጸሓና ተሪፉ ዘሎ ሕይወትና ብሰላም ባሪኹን ቀዲሱን ከንብረና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።

እግዚአብሔር ሃገርና ይባርኽ!

ብፁዕ ወቅዱስ ቀዳማዊ ቄርሎስ 5ይ ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ

(16 ሚያዝያ 2022 ዓ.ም.  – 24/4/2022 ፈ.)

 

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More