ሎሚ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ ኣድራሻኣ ዓረዛ – ዞባ ደቡብ ዝዀነ ሓንቲ ዜጋ፡ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፋ ተረጋጊጹ’ሎ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 9,735 በጺሑ’ሎ። 9,631 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 103 ብሞት ዝተፈልዩ፡ ሓንቲ ድማ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚባ ዘድሊ ክንክን ዝግበረላ ዘላ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
04 ግንቦት 2022