Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ባረንቱ – ዞባ ጋሽ-ባርካ ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 2 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎ ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቡ ክንክን ክግበረሉ ዝጸንሐ ሓደ ዜጋ፡ ሓውዩ ተፋንዩ’ሎ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 9,740 በጺሑ’ሎ። 9,632 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 103  ብሞት ዝተፈልዩ፡ 5 ድማ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ዘድሊ ክንክን ዝግበረሎም ዘለዉ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና 

11 ግንቦት 2022

 

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More