ዓለምና ብዙሕ ኣከባብያዊ ጸገማት የጋጥማ ኣሎ። እቶም ጎሊሖም ዝርኣዩ ለውጢ ክሊማን ምስኡ ዝተኣሳሰር ዘይምዕሩይ መጠንን ዝርገሐን ዝናብ፡ ዕልቕልቕ፡ ለብዒ ሕማማት፡ ብርሰት ባህርያዊ ጸጋታት ወዘተ ክጥቀሱ ይኽእሉ። ልዕሊኩሉ ግን ህይወታዊ ብዙሕነትን ስርዓተ-መሕድርን (ecosystem) ብከቢድ ተጸልዩ ይርከብ። ንኣብነት ኣብዚ ጊዜ’ዚ ዓለምና ካብ እትውንኖም ኣስታት ሸሞንተ ሚልዮን ጅራት ኣትክልትን እንስሳታትን፡ እቶም ሓደ ሚልዮን ሓደጋ ምጽናት ኣንጸላልዩዎም ይርከብ። በዚ እንተቐጺሉ ከኣ ዓለምና ህይወታውያን ዘይነብሩላ ግኡዝ ፕላነት ከይትኸውን ስግኣት ኣሎ።
ነዚ ኣሻቓሊ ኣከባብያዊ ብድሆ ብሓባር ንምምካት፡ ናይ መላእ ሕብረተሰብ ዓለም ንቕሓት ብዛዕባ ድሕነትን ዉሑስ መዓላን ህይወታዊ ብዙሕነት ወሳኒ ምዃኑ ብምእማን መንግስታት 22 ግንቦት ዓመት መጸ ኣህጉራዊ መዓልቲ ህይወታዊ ብዙሕነት ኮይና ክትዝከር ወሲኖም። በዚ መሰረት ድማ ሎሚ ዓመት፡ “ንኹሉ ህይወታዊ ዝብጻሕ መጻኢ ምህናጽ” ብዝብል ቴማ፡ ኣብ መላእ ዓለም ክትዝከር ጻዊዒት ቀሪቡ ኣሎ። በዚ ቴማ ኪመሓላለፍ ዚድለ ዘሎ መልእኽቲ ከኣ፡ ነቲ ንቐጻልነት ህይወት ዝፈታተን ዘሎ ስስዐ ዝመልኦ ማሕበረ-ቁጠባዊ መስተጋብር ደቂ ሰብ ንምግታእ ነፍስ-ወከፍ ዜጋ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ንኹሉ ህይወታዊ ዝሓሸ ባይታ ዘጣጥሕን ዝምችእን መጻኢ ኣብ ምህናጽ እጃሙ ከበርክት ንምዝኽኻርን ንምጉስጓስን ኢዩ።
መንግስቲ ኤርትራ፡ ብርሰት ባህርያዊ ኣከባቢ ብሓፈሻ ምድካይ ህይወታዊ ብዙሕነት ድማ ብፍላይ፡ ንምግታእ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዙ ዝተፈላለዩ ፖሊሲታት፡ ስትራተጂታትን፡ ውጥናት ትግባረን ሓንጺጹ፡ ሰፊሕ ተሳትፎ ህዝቢ ዘሎዎ ምዕቃብ ሓመድን ማይን ምግራብ፡ ምሕዛእ መቓምጦ ጅራት እንስሳታትን ኣትክልትን፡ ምስራሕ ከዘንቲ ማይ፡ ምዕቃብ መቦቆላውያን ዘራእቲ፡ ምትእትታውን ምስፋሕ ተሓዳሲ ጸዓትን ምዝርጋሕ ጸዓት ቆጠብቲ እቶናትን ወዘተ ከካይድ ጸኒሑን ኣሎን። ይኹን እምበር እቲ ንልዕሊ ሓደ ዘመን ብቐጻሊ ክበርስ ዝጸንሐ ህይወታዊ ብዙሕነት ሃገርና ኣብ ሓጺር ጊዜ ናብ ንቡር ንምምላሱ ዝከኣል እኳ እንተዘይኮን እቲ ዛጊት ነምጽኦ ዘለና ለውጢን ተጠርዩ ዘሎ ተመኩሮን፡ ግን ባህርያዊ ኣከባቢና እንተጺዒርካሉን ደኺምካሉን ክምለስ ከምዝኽእል ዝእንፍት’ዩ እሞ ኣወዳድባና ኣሐይልና፡ ብመን-ሐራይ ዘይኮነስ ተሓታትነት ብዘለዎ ኣገባብ፡ ኢደይ ኢድካ ብምባል ክንቅጽሎ ይግባእ።
ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባብን