ሎሚ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ ኣድራሻኡ ሰምበል ዝዀነ ሓደ ዜጋ፡ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፉ ተረጋጊጹ’ሎ።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ዘድሊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 2 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 9,756 በጺሑ’ሎ። 9,646 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 103 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 7 ድማ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ክንክን ዝግበረሎም ዘለዉ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
25 ግንቦት 2022