Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

 ሎሚ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ ኣድራሻኦም ማእከል ከተማ ከምኡ’ውን ሰንዓፈ ዝዀነ 2 ዜጋታት፡ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ ክልተ ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 9,777 በጺሑ’ሎ። 9,667 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 103 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 7 ድማ ጌና ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ክንክን ዝግበረሎም ዘለዉ’ዮም።

 

ሚኒስትሪ ጥዕና

 18 ሰነ 2022

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More