ሎሚ ኣብ ሃገራዊ ላባራቶሪ ዞባ ማእከል ብዝተገብረ መርመራታት፡ ኣድራሻኦም ዓሊግድር፡ ጊንዳዕን ባጽዕን ዝዀኑ 5 ዜጋታት፡ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎ ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቡ ክንክን ክግበረሉ ዝጸንሐ ሓደ ዜጋ፡ ሓውዩ ተፋንዮ’ሎ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 9,782 በጺሑ’ሎ። 9,668 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 103 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 11 ድማ ጌና ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ክንክን ዝግበረሎም ዘለዉ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
21 ሰነ 2022