ንስመዓዮ ባህሪ ይዛረብ ኣሎ
ኣስተውዒልና ካብ ውሽጢ ነስተንትኖ
የዳምጽ ኣሎ’ቲ እምባ
መልእኽቲ ሕሩይ ናይ ልቡ ዘረባ
ይሸብብ ኣሎ እቲ ንፋስ
ርጉእ ናይ ሕሩያት ትንፋስ
ኣብዚ እዩ ንሃገር ኪዳን ዝኣተወላ
ከም ቃሉ ገንሸል ዝኾነላ
እምባ ደንደን በሪኽ ከይትብልዎ
የዕጽምቲ ሕሩያት እንደኣሉ ክብ ኣቢልዎ
ሕሩይ ሕሳስልደ ሕሩይ ንእሽቶ
ወዲ በጃኽን፡ ሕንቁቕ ዝያዳ ዝፍቶ
ገይሹ ሕሩይ መትከል ኣቐዲሙ
ንዓና ገዲፉ ኩሉ ጠጥዕሙ
ደልሃመት ቀዲዱ ንሞት ስዒሩ
ተሰዊኡ ንኽብሪ ሃገሩ
ጓይላና ክዕምር
ረምታና ክሰምር
እንድዩ ሓሊፉ
ንኹሉ ገዲፉ
ክርዳድ የብሉ ግላል
ሕዋስ የብሉ በሰር
ኣብዚ ጸዋግ ጎቦ፡ ውረድ ደይብ
ንሓፋሽ እምበር ንውልቁ ዘይሓስብ
ክንዲ መርዓ ክንዲ ዕሰለ
ክንዲ ኩዳ ክንዲ ተሓምበለ
ሃገር ኣሚኑ ከምሰብ ዘይመዋቲ
ናጽነት ዝወልድ ካብ ክብሪ መስዋእቲ
ዛንታ ገድሊ መከራ ናይ ግሎብ
ኣፍ ኣውጺኡ ደንደን እንተዝዛረብ
ክእመን ዘይክእል ናይቲ እዋን ውዕሎ
ሰብ ተፈቲኑ ዘይከኣል ክኽእሎ
የዕዋፍ ሰማይ’ኳ እናዘመራ
ጅግንነቱ ዝነግራ
ሕሩይ ሽደን ሕሩይ ሰንሰሎማይ
ጅግና ምድሪ፡ ቅዱስ ሰማይ
ርዝነት ታሪኽካ መግለጺ ዘይርከቦ
ዝባን ደብርኻ መደየቢ ኣልቦ
ብዘርኢ ዘሕልፍ ታሪኽ ጅግንነቱ
ብላሽ ዘይተረፈ ናይ ናቕፋ መስዋእቱ
ረዘንቲ ድፍዓት ሕመረት ናይ ገድሊ
ጽኑዓት እምባታት ናይ መዳፍዕ ከውሊ
ነብስና ንፈትሽ ነዚ መን ምኸኣሎ
እምባ ናይ መግዛእቲ ብሱሩ ክነድሎ
ዝወፈረ መግዛእቲ ከይድገም
ክትመልእ ሃገር ከይትቑርመም
ነዚ’ዩ ሕሩይ ሓርይዎ
ነቲ ዘይጽወር ጸይርዎ
ኣስተብህሉ…
ወርቃዊ ደሙ ይነትዕ ኣሎ
ዘርእና ኣብቊሉ ከርስና ዝዕንግሎ
እዚ ድሙቕ ብርሃን ጽሓይና ትበርቆ
ኣብ ውሽጢ ቤትና ኮይና ንማምቖ
እዚ ንጹህ ኣየር ንሕና ነስተንፍሶ
ሰላም ለይቲ ቀሲና ንድቅሶ
ነዚ’ዩ ሓርዩ ተሰዊኡ ሕሩይ ንእሽቶ
መስዋእቲ ድሌት’ዩ ኣይኮነን ጽሕፍቶ!