Business is booming.

ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክሌታ ኤርትራ 2022፡ ብዓወት መርሃዊ ቅዱስ ተዛዚሙ።

ብዓርቢ 24 ሰነ ብናይ ግዜ ናይ ውልቂ ውድድር ዝፈለመ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ 2022፡ ሎሚ ሰንበት ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ብዝተኻየደ ናይ ጽርግያ ውድድራት ተዛዚሙ።

171.7 ኪሎሜተር ኣብ ዝሸፈነን ብኤሪ-ቲቪን ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራን ብቐጥታ ዝተፈነወ ናይ ዓበይትን ትሕቲ 23 ዓመትን ውድድር፡ ኣባል ኣሜሪካዊት ክለብ ‘ኢኤፍ ኢዱኬሽን’ – ኦሎምፒካዊ ተቐዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ ምስ ብሉጽ ጸወታ ቀዳማይ ኮይኑ ብምዕዋት፡ ዘውዲ ሻምፕዮን ደፊኡ።

ኣብ 2018 ብተመሳሳሊ ብቕዓት ዕዉት ሻምፕዮን ኤርትራ ኮይኑ ዝነበረ ኦሎምፒካዊ መርሃዊ፡ ምስ ፕሮፈሽናላት ተቐዳደምቲ ናትናኤል ተስፋጽዮንን ናትናኤል ብርሃነን ኣብ ቀዳሞት ሓሙሽተ ዙርያታት ድሕሪ ምሃዳሙ’ዩ፡ ኣብ ሰዓት 43.3 ኪሎሜተር እናተሓንበበ ውድድሩ ብዓወት ፈጺሙ።

ኣብ’ዚ ውድድር፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ካልኣይ ተርታ ክሕዝ ከሎ፡ ኣባል ክለብ ኤሪቴል ንያት ርእሶም ድማ ሳልሳይ ብምዃን ነሓስ ሜዳልያ ተሸሊሙ።

በዚ መሰረት፡ ንያት ርእሶም ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ሻምፕዮን 2022 ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ክለብ ኣስቤኮ ሚልክያስ ቅዱስን ሳምሶም ሃብተን ከኣ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ሒዞም።

ብዓርቢ 24 ሰነ ኣብ ናይ ግዜ ውድድር ተሸላሚ ብሩር መዳልያ ዝኾነ መርሃዊ ቅዱስ፡ ሻምፕዮን ኤርትራ ምዃኑ ኣብ ጋንታኡ ይኹን ኣብ ዝመጽእ ውድድራቱ ዓቢ ጽልዋ ከምዝህልዎ ገሊጹ።

ደቂኣንስትዮ ዓበይትን ትሕቲ 23 ዓመትን 110 ኪሎሜተር’የን ሸፊነን። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ናይ ክለብ ዞባ ደቡብ ተቐዳዳሚት ሞናሊዛ ኣርኣያ ንመቐዳድምታ ብነዊሕ ፈልያ ክትዕወት ከላ፡ ቅሳነት ወ/ሚካኤል ናይ ሰራይር ሳዋን ኣዲያም ዳዊት ናይ ደንደንን ከኣ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ሒዘን።

ጓል 19 ዓመት ሞናሊዛ፡ ናይ ዓበይትን ናይ ትሕቲ 23 ዓመትን’ያ ሻምፕዮን ኮይና።

ኣብ ናይ ደቂተባዕትዮ ናይ ጁኒየር ውድድር፡ መትከል ገብረንጉስ ካብ ሰምበል፡ ዳኒኤል ቴድሮስ ካብ ኣስቤኮ፡ ከምኡ’ውን ሮቤል ሃይለማርያም ካብ ደንደን ብቐደም-ተኸተል ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ክወጹ ከለዉ፡ ሩምና ጉዕሽ ናይ ዓራግ፡ ራሄል ዘርእሰናይ ናይ ደንደንን ራሄል ነጋሽ ናይ ሰራይር ሳዋን ከኣ ካብ ደቂኣንስትዮ ተዓዊተን።

ኣብ መወዳእታ ዕዉታት፡ ዝተዳለወሎም ናይ ዋንጫ፡ መዳልያን ገንዘብን ሽልማት፡ ካብ ኢድ ዝተፈላለዩ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ተቐቢሎም።

ብ24 ሰነ ኣብ ከባቢ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ግዜ ውድድር ተቐዳዳማይ በልጅማዊት ክለብ ኢንተርማርሼ ቢንያም ግርማይ፡ ናይ ዓበይትን ናይ ትሕቲ 23 ዓመትን ዝቐልጠፈ ተቐዳዳማይ ከምዝኾነ ይፍለጥ።

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More