ሎሚ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ ኣድራሻኦም ዕዳጋ-ሓሙስ ዝዀነ 3 ዜጋታት፡ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎ ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቡ ክንክን ክግበረሉ ዝጸንሐ ሓደ ዜጋ፡ ሓውዩ ተፋንዩ’ሎ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 9,801 በጺሑ’ሎ። 9,684 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 103 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 14 ድማ ጌና ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ክንክን ዝግበረሎም ዘለዉ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
01 ሓምለ 2022