Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ ኣድራሻኦም ቀሓውታ፡ ማይ-ተመናይ፡ ገጀረትን ዓሊ-ግድርን ዝዀነ 4 ዜጋታት፡ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 7 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 9,805 በጺሑ’ሎ። 9,691 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 103 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 11 ድማ ጌና ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ክንክን ዝግበረሎም ዘለዉ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና 

04 ሓምለ 2022

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More