ሎሚ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ ኣድራሻኦም ገዛ-ባንዳ፡ ሰምበል፡ ኣኽሪያ፡ ማእከል ከተማን ዓዲ-ሓውሻን ዝዀነ 5 ዜጋታት፡ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 9,810 በጺሑ’ሎ። 9,691 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 103 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 16 ድማ ጌና ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ክንክን ዝግበረሎም ዘለዉ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
05 ሓምለ 2022