Business is booming.

መዘኻኸሪ – ዕቱብ ምቊጽጻር ለበዳ ‘ኮቪድ-19’ ዘድልየሉ ወቕቲ

ኣብ ኤርትራ፡ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ዓለም ካብ ዝኽሰት ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት 3 ዓመታት፡ ብኣግኡ ንቕሓት ሕብረተሰብ ዝተሓወሶ ተሪርን ሰፊሕን ናይ ምክልኻል ስጒምቲ ሳላ ዝተወስደ፡ ዋላ’ኳ እቲ መጠን መልከፍቲ፡ ምስ ግዜን ወቕትን ክብ-ለጠቕ ዝብል እንተዀነ፡ ዝርግሐኡ – ብኹሉ ዓለማውን ዞባውን መለክዒታት፡ ኣዝዩ ትሑት’ዩ ጸኒሑ። ካብ’ቲ ዛጊት ተመዝጊቡ ዘሎ ኣስታት 9,815 መጠን መልከፍቲ፡ እቶም 9,695 ማለት 98.8 ሚእታዊት ሓውዮም ክፋነዉ ከለዉ፡ መጠን ሞት ብገምጋም 1 ሚእታዊት’ዩ ዘሎ። በዚ ድማ፡ ሳላ’ቲ ዝተወስደ ዕቱብ ስጉምቲ፡ ህዝብና ካብ መቕዘፍቲ ክድሕን ተኻኢሉ’ሎ።

እንተዀነ ግን፡ መልከፍቲ ናይ’ቲ ቫይረስ ኣብ ወቕቲ ቁሪን ክራማትን ስለዝግርግር፡ ምስ ምኽሳት ቅልጡፍ ናይ ምልባዕ ባህሪ ዘለዎም ሓደስቲ ጅራት፡ እቲ ዘሕብን ውጽኢት ዘላቕነት ንኽረክብ፡ ሸለልትነትን ምዝናይን ተወጊዱ፡ ኩሎም ዝወጹ ቅጥዕታት ብምልኣትን ብቐጻልነትን ክትግበሩ ምዝኽኻር ኣገዳሲ’ዩ።

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ መላእ ዓለም ብኮሮና ቫይረስ ናይ ዝተለኽፉ ሰባት ጠቕላላ ብዝሒ ኣስታት 557 ሚልዮን፣ ናይ ዝሞቱ ሰባት ድማ ልዕሊ 6.37 ሚልዮን በጺሑ’ሎ። እዚ ኣሃዛት’ዚ፡ ምስ ናይ መወዳእታ ኣዋርሕ 2021 ክነጻጸር እንከሎ፡ መልከፍቲ ብኣስታት 300 ሚልዮን፣ ሞት ድማ ብልዕሊ ሓደ ሚልዮን ወሲኹ ንረኽቦ። እዚ ዘሻቕል ናህሪ መልከፍትን ሞትን፡ ንሓደገኛነት ናይ’ቲ ቫይረስን በብእዋኑ ዝጫጭሑ ዘለዉ ሓደስቲ ጅራቱን ዘጉልሕ’ዩ።

እቲ ኩነታት እዚ እናሃለወ፡ ኣብ ሃገርና፡ ዜጋታትን ትካላትን ንመምርሒታት ምክልኻል ኮሮና ቫይረስ በብቕሩብ ሸለል ክብልዎን ክጥሕስዎን ይርኣዩ’ለዉ። ምስ ምእታው ወቕቲ ክራማት ድማ፡ መጠን መልከፍቲ ይውስኽ ከምዘሎ፡ ዕለታዊ ጸብጻባት ሃገራዊ ላቦራቶሪ የመልክቱ። ከም ኣብነት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሓት ግንቦተ-ሰነ ብገምጋም 1 ዝነበረ ዕለታዊ መጠን መልከፍቲ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ ናብ 5 ደዪቡ’ሎ። ዘሰክፍ ኩነታት’ዩ።

ኮሮና ቫይረስ ኣብ ዝሑል ክሊማ ብተዛማዲ ንነዊሕ ሰዓታት ወይ መዓልታት ስለዝጸንሕ፡ ብፍላይ ኣብ’ዚ ኣቲናዮ ዘሎና ወቕቲ ክራማት ኣዝዩ ልዑል ጥንቃቐ ክንገብር ይግባእ። ስለዝዀነ፡ ዝስዕርሩ ዘለዉ ቀንዲ ጠንቅታት፡ ማለት – ሸለልትነት ኣብ ምጥቃም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ‘ማስክ’፣ ንቕጥዕታት ኣካላዊ ምርሕሓቕ ዝጥሕስ ምትእኽኻባት ኣብ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎትን ዕዳጋታትን፣ ኣብ መርዓ፡ ቀብሪ፡ ሓዘን፡ ንግደት፡ ካልኦት ማሕበራዊ ኣጋጣሚታትን ኣብ ኣብያተ-እምነትን ዝርአ፡ ካብ’ቲ ብሓይሊ ዕማም ዝተኣመመ ቊጽሪ ንላዕሊ ጻዕቂ ተሳተፍቲ፣ ከምኡ’ውን ዘይምምካን መሳርሒታትን ልዕሊ’ቲ ዝተወሰነ ቁጽሪ ተሳፈርቲ ኣብ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያን ክወገዱ ኣለዎም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

 08 ሓምለ 2022

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More