Business is booming.

መዘክር ሓባራዊ ስምምዕ ሃገረ ኤርትራን ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልን

ሃገረ ኤርትራን ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልን፣

ንታሪኻዊን ሕውነታዊን ምትእስሳር፡ ከምኡ’ውን ድልዱል ሓባራዊ ምሕዝነት ህዝብታት ኤርትራን ሶማልን መሰረት ብምግባር፣

ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ዘሎ ዓበይቲ ሓባራዊ ረብሓታት ብምስትውዓል፣

ኣብ ሶማል ዝካየድ ዕውት ቃልሲ ኣንጻር ሽበራ፡ ቅድመ ኩነት ንሰላም፡ ምርግጋእን ጸጥታን ሶማል ጥራይ ዘይኮነ ኣድላይነቱ ንመላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምግንዛብ፣

ሰላምን ልምዓትን ሶማል፡ ንዞባዊ ቁጠባዊ ውህደትን ብልጽግናን ወሳንነቱ ብዕምቈት ብምርዳእ፣

ኤርትራን ሶማልን ኣብዚ ዝስዕብ ጉዳያት ይሰማምዓ፦

  • ዝምድና ክልቲኡ ህዝብታት እንተላይ ማሕበረኮማት ዲያስፖራ ምዕዛዝ፣
  • ሃገራዊ ረብሓታት ክልቲአን ሃገራት ንምዕቃብን ምጥንኻርን ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያዊን ምትሕብባር ምሕያል፣
  • ኣብ ንግዲ፡ ወፍሪ፡ ውሕስነት ማይ፡ ሕርሻ፡ ሃብቲ ዓሳ፡ ጥዕናን ትምህርቲን ፍሉይ ኣተኩሮ ብምግባር ቁጠባዊን ማሕበራዊን ምትሕብባር ምስፋሕ፣
  • ኣብ ባህላዊ፡ ስነጥበባዊን ስፖርታዊን ንጥፈታት ከምኡ’ውን ኣብ ስነ-ፍልጠታዊን ቴክኖሎጂያውን መዳያት ርክባትን ምትሕግጋዝን ምድልዳል፣
  • ኣብ ምግታእ ተፈጥሮኣዊ ሃስያን ለበዳን ብምትኳር ኣብ ምዕቃብን ምስሳንን ኣከባቢ ምትሕብባር ምዕዛዝ፣
  • ሰላም፡ ርግኣትን ጸጥታን ንምውሓስ ኣብ ምክልኻልን ጸጥታን ምትሕብባር፣
  • ምውቕ ዝምድና ብምፍጣር፡ ንቁጠባዊ ምትሕግጋዝን ውህደትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓባር ምጽዓት፣

ሎሚ 12 ሓምለ 2022 ኣብ ኣስመራ ተኸቲሙ።

ሃገረ ኤርትራ ብምውካል                                                   ሃገረ ሶማል ብምውካል

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ                                           ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ

 

 

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More