Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 14 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ኣድራሻኦም ድማ፡ 2 ማይ-ነፍሒ፡ ሓሓደ ድማ ካብ ማይተመናይ፡ ማእከል ከተማ፡ ጸጸራት፡ ኣርባዕተስመራ፡ ኣኽሪያ፡ ቲራቮሎ፡ ዓዲ-ኣበይቶ፡ ዕዳጋ-ሓሙስ፡ ሰምበል፡ ገዛ-ባንዳ፡ ዓዲ-ሰጒዶን ገልዓሎን’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 25 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 10,109 በጺሑ’ሎ። 9,895 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 103 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 111 ድማ ጌና ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ክንክን ዝግበረሎም ዘለዉ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና 

5 ነሓሰ 2022

 

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More