Business is booming.

ብምኽንያት ርእሰ ኣውደ ኣመት ቅዱስ ዮሐንስ ፳፻፲ወ፭ (2022) ብኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈነወ መልእኽቲ (ቃለ ቡራኬ)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ዕንቋዕ ካብ ዘመነ ማርቆስ ናብ ዘመነ ሉቃስ ብሰላም ኣብጽሓና።

“ወትባርክ አክሊለ ዓመተ ምሕረትከ፡ ወይፀግቡ ጠላተ፡ ገዳም ወይረውዩ አድባረ በድው”/ ብናይ ምሕረትካ ዘመን ንዝተረኽበ እኽሊ ባሪኽካ ተብዝኅ፡ በረኻታት ጠልን ልምላሜን ምስ ረኸቡ ጸጊቦም ይሕጐሱ፡ ኣብ ምድረበዳ ዘለዉ እምባታት`ውን ዝናም ምስ ረኸቡ ይረውዩ” መዝ.ዳዊ ፷፬. ፲፩/65፥11።

ክቡራንን ክቡራትን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን እትነብሩ ሕዝበ ክርስቲያን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ማየ ጸሎትን ሆስፒታልን ተዓቒብኩም እትርከቡ ሕሙማነ ሥጋ፡ ኣብ ሓለዋ ሃገርን ልምዓትን ዘለኹም ሠራዊት ምክልኻል፡ ኣብ ተሃድሶ ዘለኹም ናይ ሕጊ እሱራት፡ ብሓፈሻ ኵልኹም ሕዝቢ ኤርትራ እንቋዕ ካብ ፳፻፲ወ፬/2014 ዓመተ ምሕረት ዘመነ ማርቆስ ወንጌላዊ፡ ናብ ፳፻፲ወ፭/2015 ዘመነ ሉቃስ ዜናዊ፡ ብደሓነ ሰላም ኣብጸሓናን ኣብጸሓኩምን እና በልና ሠናይ ትምኒትና ንገልጸልኩም።
እዚ ዕለት’ዚ ብቕዱስ ዮሓንስ መጥምቀ መለኮት እዩ ዝፍለጥ፤ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፤ ቅዱስ ዮሓንስ ዛዛሚ ዘመነ ብሉይ፡ ጀማሪ ዘመነ ሓዲስ ስለዝኾነ ኸኣ፡ እዛ ንኽረምቲ መውፅኢ፡ ንሓጋይ መእተዊ ዘላ መዓልቲ ብስሙ ተጸውዐት፡ በዚ ምኽንያት እዚ ቕዱስ ዮሓንስ ካብ ዘመነ ብሉይ ናብ ዘመነ ሓዲስ፤ ካብ ዘመነ ነቢያት ናብ ዘመነ ሓዋርያት ዘሰጋገረ ብምዃኑ፡ ነቢይ ሐዋርያ ወሰማዕት ኢልና ንሰምዮ።

ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ነዚ መሠረት ብምግባር ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ብሉይ ናብ ሐዲስ፡ ካብ ዘመነ ኵነኔ ናብ ዘመነ ምሕረት፡ ንዝተሰጋገርናላ ዓባይ ዕለት ስለዝኾነት ካብ ክፉእ ርሒቕና ብቕንዕናን ብሓቅን በዓልና ክንዝክርን ከነኽብርን ሠሪዓትልና ኣላ።

ብተወሳኺ`ውን ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍትና “ዘለዎ ንዘይብሉ የማቕል” (ሉቃ ፫፡፲/3፡10) ተባሂሉ ከም ዘሎ፡ ምትሕግጋዝ ሃይማኖታዊ ግዴታን ክቡር ባህልና’ውን ስለዝኾነ ንጽጉማት ክንዝክር፡ ብሕማም ንዝሳቐዩ ወገናትና ክንበጽሕ፡ ንዝሓዘኑ ከነጸናንዕ፡ ንዘኽታማትን ንዘይብሎምን፡ ካብ ዘለና ከነካፍል ቅድስት ቤተክርስቲያን ሓደራ ትብል።

ክቡራንን ክቡራትን ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣብዚ ሓደ ኸነስተውዕሎ ዘሎና ዓመት ጥራይ ዘይኮነ ኪቕየር ዘለዎ፡ ኣረጊት ኣተሓሳስባና’ውን ኪቕየር ከምዘለዎ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ፲፪፡፪/12፡2፤ “ወሐድሱ መንፈሰ ልብክሙ”፡ “ኣእምሮኹምን አተሓሳስባኹምን ሓድሱ” ስለዝብለና፡ ነቲ ክፍአትን ተንኰልን ዝምህዝ አረጊት ሓሳብና ከም አረጊት ጨርቂ ደርቢና ንእግዚኣብሔር ዘሥምር ሕሊና ንኽንኅዝ ቅዱስ መንፈሱ ይልኣኸልና። በረኸት መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ ምስ ኵላትና ይኹን።

ኣብ መወዳእታ እዚ ሓድሽ ዓመት’ዚ ዓመተ ሰላም፤ ዓመተ ራህዋ፤ ዓመተ ቅሳነት ጌሩ። እግዚአብሔር ንወርኃ ክረምት ባሪኹ፡ ብዝናም ኣብቊሉ፡ ብፀሓይ ኣብሲሉ፡ ንዝሃበና ልምላሜ ካብ ነጣሪ ነፋሪ ሓልዩ፡ ፍሪኡ ክንሓፍስን ከምኡ’ውን ናብ ብርሃነ መስቀሉ ብሰላም ከብጽሓና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።

እግዚአብሔር ሃገርና ይባርኽ!!!
ብፁዕ ወቅዱስ ቀዳማዊ ቄርሎስ ፭ይ ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት
ዘኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
መስከረም ፳፻፲ወ፭/ መስከረም 2022

 

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More