ሎሚ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 2 ዜጋታት – ሓደ ካብ ሓዝሓዝ ሓደ ድማ ካብ ከረን፡ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎ ኣብ ዞባ ማእከል ክንክን ክግበረሉ ዝጸንሐ ሓደ ዜጋ፡ ሓውዩ ተፋንዩ’ሎ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 10,177 በጺሑ’ሎ። 10,068 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 103 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 6 ድማ ጌና ክንክን ዝግበረሎም ዘለዉ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
08 ጥቅምቲ 2022