ሎሚ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 3 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
ኣድራሻኦም ድማ፡ ቲራቮሎ፡ ጎዳይፍን ሰምበልን’ዩ።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎ ኣብ ዞባ ማእከል ክንክን ክግበረሉ ዝጸንሐ ሓደ ዜጋ፡ ሓውዩ ተፋንዩ’ሎ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 10,185 በጺሑ’ሎ። 10,078 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 103 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 4 ድማ ጌና ክንክን ዝግበረሎም ዘለዉ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
19 ጥቅምቲ 2022