Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ ሓደ ዜጋ – ካብ ቃሓውታ፡ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፉ ተረጋጊጹ’ሎ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ዞባ ማእከል ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 2 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 10,188 በጺሑ’ሎ። 10,082 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 103 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 3 ድማ ጌና ክንክን ዝግበረሎም ዘለዉ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

 28 ጥቅምቲ 2022

 

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More