ሎሚ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ ሓደ ዜጋ – ካብ ማእከል ከተማ፡ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፉ ተረጋጊጹ’ሎ።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ዞባ ማእከል ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 3 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 10,189 በጺሑ’ሎ። 10,085 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 103 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 1 ድማ ጌና ክንክን ዝግበረሉ ዘሎ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
31 ጥቅምቲ 2022