Business is booming.

መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2023

ዓመተ-2022፡ ለበዳ “ኮቪድ-19” ብተዛማዲ ዘፍ ዝበለላ’ኳ እንተተባህለት፡ ዝተፈላለየ ባህሪያዊ ሓደጋታት ዝሃወጻ ዓመት’ያ ነይራ። ዝያዳ ካብ ለበዳን ባህሪያዊ ሓደጋታትን ግን፡ ጐይቶት (lords) ግዝኣተ-ጫካ፡ ንዝሓልቕ ዘሎ እንኮ-ቐጽራዊ ዕንደርኦም ‘ኢንፍዩዥን’ ንምንሳዕ ዘካይድዎ ናይ ከንቱ ህቀናታት፡ ዘኸትሎ ዘሎ ድሕነታዊን ቁጠባዊን ነውጺ’ዩ ሕላገታ። ኣብ ጎዶቦና ብተመሳሳሊ ቅኒት፡ በንጻር ዝበለየ ኣጀንዳታቶም፡ ቅልውላው ንምንቛት ዘካይድዎ ሸርሓዊ ምትእትታዋት ዛዪዱ’ዩ። ሂስተርያ ቅርሕንታዊ ተጻብኦኦም ኣንጻር ኤርትራ ኸኣ፡ ይዓርግ ኣሎ።

ኣብ ውሽጢ ከም’ዚ ዝበለ ዓለማዊን ዞባዊን ሃገራዊን ኩነት፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢን ወጻኢን፡ ንቕሓቱን ጽንዓቱን ስጡም መስርዑን ደራሪዑ፡ ዘሐብን መኸተ ኣመስኪሩ’ሎ። ኣብ ሕቚፊ ህዝቡ ዝመውቕ ሓይልታት ምክልኻል ከኣ፡ ዛጊት ንቀንጠብጠብ ወራር ተደናደንትን ዓንደርትን ዝእድብ ቅያ ስርሒታት ጸረ-መጥቃዕቲ ኣመስኪሩ’ሎ። ሓበነይ ደረት የብሉን።

2023 ብተዛማዲ፡ ናይ ዓብለልቲን ሓንከርቲን ዕንደራታት ኰነ፡ ናይ መጋበርያታቶም ሸርሒታት ዝዕገስ ስለዘይመስል፡ ልዕሊ ኩሉ ኸኣ፡ ልምዓታዊ ብድሆታትና’ውን ኪዓቢ ስለዝዀነ፡ ከይተዛነና ንዝሓየለ መኸተ ኣብ እነካይዶ ምድላዋት፡ ዓወት ኣብ ጐኒ ፍትሓዊን ናጻን ሕርያና’ዩ።

ርሑስ ሓድሽ ዓመትን በዓላትን!

 ሓበንን ክብሪን ንሰማእታትና!

 ዓወት ንሓፋሽ!

 በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ኩለን ማዕከናት ዜና ኤርትራ፡ ኣብ ዝመጽእ ሳምንቲ – ኣብ እዋናዊ ዘቤታዊ፡ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ዘተኰረ ቃለ-መሕትት፡ ምስ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክገብራ ምዃነን ነፍልጥ።

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More