በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ።
‘’ ስብሓት ለእግዚኣብሔር በሰማያት ወሰላም በምድር ‘’
ክቡራንን ክቡራትን ኣመንቲ ክርስትና ብሓፈሻ ኣብ ሃገርን ወጻእን እትነብሩ ኩልኹም ኤርትራውያን እንቛዕ ናብ ክልተ ሽሕን ዓሠረተው ሓሙሽተ በዓለ ልደት ጐይታናንን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብደሓነ ሰላም ኣብጽሓኩም እናበልና መንፈሳዊ ሰላምትና ነቕርበልኩም።
ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ በዓቲ ቤተልሔም ምስ ተወልደ መላእኽትን ጓሶትን ሓቢሮም ስብሓት ለእግዚኣብሔር በሰማያት ወሰላም ብምድር ስምረቱ ለሰብእ። ኣብ ሰማያት ንእግዚኣብሔር ምስግና ኣብ ምድሪ ድማ ሰላም ይኹን እናበሉ ኣመስገኑ።
እዚ ድማ መልኣኽ እግዚኣብሔር ኣቐዲሙ‘’ ናሁ እዜንወክሙ ዐቢየ ፍስሓ ዘይከውን ለክሙ ወለኲሉ ዓለም እስመ ናሁ ተወልደ ለክሙ ዮም መድኅን ዘውእቱ ክርስቶስ እግዚእ ቡሩክ በሀገረ ዳዊት ‘’መርገመ ሥጋን መርገመ ነፍስን ዘርሕቕ በረከተ ሥጋን በረከተ ነፍስን ዝዕድል ናይ ባህርይ ኣምላኽ ክርስቶስ ኣብ ከተማ ዳዊት ተወሊድልኩም ኣሎ ኢሉ ቀዲሙ ስለ ዘብሠሮም እዮም ነዚ ናይ ምስግና መዝሙር ዝዘመሩ።
ቅዱስ ኤርሬም ሶርያዊ`ውን ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝደረሶ ውዳሴ ማርያም ዘሰኑይ ፥ ወኲሉ ፍጥረት ተፈስሓ ብምጽኣትከ። ብልደትካ ኲሉ ፍጥረት ተሓጎሰ ከምዝበለ፥ በዚ ዕለት እዚ መላእክትን፡ ደቂ ኣዳምን እንስሳታትን ብልደት ጐይትናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝተሓጎሱ እዩ ዝገልጸልና።
ክቡራንን ክቡራትን ሕዝበ እግዚኣብሔር
በዛ ክብርቲ ዕለት ኩሎም ፍጡራን ብሓጎስ ከም ዘመስገኑ ኲልና ዓቢና ንኡስና ናብታ ድምጺ እግዚኣብሔር ዝስመዓላ ኣምሳል ቤተልሄም ዝኾነት ቅድስት ቤተክርስቲያን ብምኻድ ኣምላከ ሰላም መድኃኔ ዓለም ሰላምና ከጽንዓልና ብጥብኣት ክንጽልን ብልዑል ድምጺን ክንዝምርን ይግበኣና።
ከምቲ ቃል ኣምላኽ ‘’መሥዋዕቱ ለእግዚኣብሔር መንፈስ የዋህ ልበ ትሑተ ኢይሜንን እግዚኣብሔር‘’ ናይ እግዚኣብሔር መስዋዕቲ ቅኑዕ መንፈስ እዩ እግዚኣብሔር ትሑት ልብን ቅኑዕ መንፈስን ኣይንዕቕን እዩ ዝበሎ ፥ ጸሎትናን ማኅሌትናን መስዋዕትናን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ቅቡል ኪኸውን እንተደ ኮይኑ ካብ ሓጢኣት ብንስሓ ተሓጺብና ኣብ ልብና ዝበቖለ ቂምን በቐልን ገዲፍና ብንጽሕና እንተጸለና እዩ ልመናና ብእግዚኣብሔር ውኩፍ ዝኸውን ።
ኣብ ርእሲኡ በዚ በዓል መንፈሳዊ ዕግበት ክንረክብ ምእንቲ፡ እግዚኣብሔር ከም ዝኣዘዘና፡ ንሕና`ውን ካብ ዘሎና ንስኡናት ከነካፍል፡ ሕዙናን ክንናዝዝ፡ ሕሙማት ክንበጽሕን፡ ንዝዓረቑ ክንከድንን፡ ንዝተኣስሩ ክንበጽሕን፡ ግዴታ ኣሎና’ሞ ነዚ ሰናይ ተግባር ክንፍጽም እግዚኣብሔር ይደግፈና። እዚ እንተ ፈጺምና ድማ እዩ ‘’ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት ዓለም ከይተፈጥረ ዘዳለኹልኩም መንግስተ ሰማያት ክትወርሱ ናባይ ንዑ’’ ተባሂልና ብየማን እግዚኣብሔር እትቐውም ነፍሲ ንረክብ።
ነዚ ንምግባር ምሕረት እግዚኣብሔር ኣማላድነት ቅድስት ድንግል ማርያምን ተራዳእነት ኲሎም ቅዱሳንን ኣይፈለየና። በዓልና በዓል ሓጐስ ገይሩ ንሃገርናን ንምሉእ ዓለምን ሰላም የውርደልና።ስብሐት ለእግዚኣብሔር ልዑል ወለማርያም ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።
እግዚኣብሔር ሃገርና ይባርኽ
ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ (ሊቀ ጳጳስ)
ዓቃቤ መንበር ቅዱስ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ታኅሣሥ ፳፻፲፭ (ጥሪ 2023)