ሊብያ ኣብ ትሕቲ ኰሎኔል ሙዓመር ቓዛፊ፡ ብኣንጻር’ቲ ምስላ ንምድዋን ዝካየድ ዝነበረ ጽዑቕ ዘመተ ምስይጣን፡ ብተዛማዲ ምዕቡልን ርጉእን ማሕበራዊ፡ ፖለቲካዊን ቊጠባዊን ኩነታታ፡ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ብኣብነት እትጥቀስ ዝነበረት ሃገር’ያ። ኣብ ርእሲ’ቲ ትምህርትን ጥዕናን ንኹሉን ብናጻን ንምርግጋጽ ዝተገብረ ገዚፍ ወፍሪ፡ ኣብ ቀረብ ጸዓት፡ ኣባይትን መሰረታዊ ዓይነታት መግብን ዝግበር ዝነበረ ድጐማ፡ ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮ ዜጋታታ ዓቢ ኣስተዋጽኦ’ዩ ገይሩ። 10% ካብ ሊብያውያን ተመሃሮ’ውን፡ መንግስቲ ዝሽፍኖ ምሉእ ናይ ማህደረ-ትምህርቲ ዕድላት ኣብ ሃገራት ወጻኢ ይዋህቦም ነይሩ።
ኣብ 1951 ናጽነታ ዝረኸበት ሊብያ፡ ኣብ 1969 ስርዓት ቓዛፊ ኣብ ስልጣን ክመጽእ ከሎ፡ ካብተን ዝደኸያ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ’ያ ነይራ። ኣብ ውሽጢ 40 ዓመታት ግና፡ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን፡ ኣብ መዳይ ልምዓት “ዓቢ ዝላ ዘርኣየት” ሃገር (a high-development country) ተባሂላ፡ ኣብ ናይ 2010 ጸብጻብ ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክትሰፍር በቒዓ።
ሊብያ፡ ገዚፍ ዕቑር ሃብቲ ነዳዲ ዝተዓደለት ኣፍሪቃዊት ሃገር’ያ። ዕቑር ጸጋኣ 48.3 ቢልዮን በርሚል ይግመት። ካብ ጠቕላላ ዕቑር ነዳዲ ዓለም 2.9%፣ ካብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ድማ 39% ይሽፍን። ብደረጃ ኣፍሪቃ ካብ’ተን ቀዳሞት፣ ብደረጃ ዓለም ከኣ መበል 9ይ ተርታ ትሕዝ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብዘሎ መጠን ሃልኪ ድማ፡ ነዛ ኣስታት 6 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ሃገር፡ ን594 ዓመት ከጽንሓ ይኽእል። ኣብ ትሕቲ ስርዓት ኰሎኔል ሙዓመር ቓዛፊ ኣብ ዝነበረትሉ፡ ዕለታዊ ዕደና ነዳዲ 1,800,000 በርሚል ይበጽሕ ነይሩ። ንነፍሲ-ወከፍ ዜጋ 0.3 በርሚል ኣብ መዓልቲ ማለት’ዩ። ኣብ 2010 ካብ መሸጣ ነዳዲ ዝረኸበቶ ኣታዊ 32 ቢልዮን ዶላር ከምዝነበረ’ውን ወግዓውያን ጸብጻባት የነጽሩ። እዚ’ዩ እምበኣር፡ እቲ ቀንዲ ኣብ ኣዒንቲ ዘይዓግብ ሸውሃት ዘለዎም ጋማት (vultures) ምዕራብ ዘውደቓ።
ድሕሪ 12 ዓመታት ናይ’ቲ ኣቐዲሙ ክጥጃእ ዝጸንሐ “ወተሃደራዊ ምትእትታው” ዝተሰምየ ወራር ብኣመሪካ ዝቕለስ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (NATO) ግና፡ ሊብያ ብሰንኪ’ቲ ንኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕስ – ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያታ ዝተገብረን ዝቕጽል ዘሎን ቅሉዕ ግዳማዊ ምትእትታው፡ ኣብ መንጎ ከም መጥሓንን መዲድን ዝምሰል ሕንፍሽፍሽን ግጭትን ተቐርቂራ፡ መንግስቲ ዘይብላ “ውድቕቲ ሃገር” ኰይና ኣላ።
ነፈርቲ ውግእ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ – ኔቶ (ብቐንዱ ናይ ኣመሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳን ኢጣልያን)፡ ካብ 31 መጋቢት – 22 ጥቅምቲ 2011፡ ኣብ ልዑላዊ ግዝኣት ሊብያ 26,281 ወፍሪታት ኣካዪደን። ወተሃደራውን በርጌሳውን ዒላማታት ብዘይፈሊ ኣገባብ እልቢ ዘይብሉ ቦምባታት ብምዝናብ ከኣ፡ ከተማታት ናብ ሓመድ ቀዪረን። ከም ሳዕቤኑ፡ መሰረታዊ ትሕተ-ቅርጺ፡ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ መስመራት መጓዓዝያ፡ ወደባትን ካልእን ዓንዩ። ቈልዓ-ሰበይቲ ዝርከብዎም ኣስታት 120 ሽሕ በርጌስ ክቕዘፉ ከለዉ፡ ልዕሊ 2 ሚልዮን – ሓደ ሲሶ ካብ ህዝቢ ሊብያ – ካብ መነባብሮኡ ተመዛቢሉ። ካብኡ ዝኸፍአ፡ ሊብያ ማእከላይ መንግስቲ ዘይብላ፣ ብተጻረርቲ ዕጡቓት ጉጅለታት ዝተጐብአትን ዝተመቓቐለትን መጫጭሒት ሽበራውያን ብምዃን፡ ህዝባ መሰረታዊ ቀረብ ህይወትን ኣገልግሎታትን ስኢኑ ከቢድ ስቓይ እናሕለፈ፡ ጸጋታት ነዳዲ ሃገሩ፡ ምስ ጐይቶት-ኲናት (warlords) ብዝመሻጠሩ ሓይልታትን ኮርፖረሽናቶምን ይዝመት ኣሎ።
ዝኾነ ምኽንያትን ጉልባብን ይወሃቦ፡ ኣብ ልዕሊ ሊብያ ዝተፈጸመ ወራር፡ “ዕንቅፋት” ንእትብሎ መንግስቲ ብሓይሊ ኣሊኻ፡ ጸጋታት ንምግባት’ዩ ነይሩ – ኣውራ ዕላማኡ። ድሕሪ ምዝዛም ናይ’ቲ “ወተሃደራዊ ምትእትታው”፡ ኣብ ራብዓይ ሰሙን ወርሒ ጥቅምቲ 2011 ዝተራእየ ጉያ-ጉያ ኩባንያታት ነዳድን ህንጻን ሃገራት ምዕራብ ናብ ሊብያ ከኣ፡ ነዚ ገና ዝቕጽል ዘሎ ዘይረዊ ሸውሃት ዝምስክር’ዩ። እቲ ዘስገድግድ፡ ከምዚ ዓይነት መዳርግቲ ኣልቦ ናይ ኲናት ገበን ዝፈጸሙ ኣካላት፡ ተሰልቢጦም ብስም ሰብኣዊ መሰላት ክመጻደቑ ምስማዕ’ዩ።
ቦርድ ክፍሊ ጋዜጣ