Business is booming.

ሀይቲ፡ ‘ሪፓብሊክ ዘይመንግስታውያን ውድባት’

ካሪብያናዊት ሃገር ሀይቲ፡ ዝዓበየ ክፋል ህዝባ ዘርኢ ኣፍሪቃውያን ባሮት ዘለዎ’ዩ። እዛ ኣብ 1804 ካብ መግዛእቲ ፈረንሳ ናጽነታ ዝረኸበት፡ 27,749 ትርብዒት ኪሎ-ሜተር ስፍሓት ዘለዋ ሃገር፡ ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተኸቲላ፡ ኣብ ኣመሪካታት (Americas) ካብ መግዛእቲ ናጻ ዝወጸት ካልኣይቲ ሃገር’ያ። እንተዀነ፡ ዝሓለፈ ልዕሊ ክልተ ዘመን ዕድመኣ፡ ምስ ከቢድ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቅልውላዋትን ባህሪያዊ ሓደጋታትን ዝተተሓሓዘ’ዩ።

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፡ ቊጽሪ ህዝቢ ሀይቲ 12 ሚልዮን ይገማገም። ኣብ’ታ ሃገር ብስም ‘ልምዓት’፡ ‘ሰባዊ ሓገዝ’፡ ‘ኣገልግሎት ምኽሪ’ን ካልእን ናይ ዝተዋፈራ ዘይመንግስታውያን ውድባት ቊጽሪ ድማ 10 ሽሕ ከምዝበጽሕ ጸብጻባት ይሕብሩ። ሓንቲ ውድብ ን1,200 ዜጋታት ማለት’ዩ። እዚ መጠን’ዚ፡ ኣብ ዓለም ብዘይመንግስታውያን ውድባት ዝተጐብአት (the most thoroughly NGO-ized societies in the world) ይገብራ። ኣብ’ታ ሃገር ክኽሰት ዝጸንሐ ቅልውላዋት እምበኣር፡ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ፡ ምስ’ዘን ከም ቃንጥሻ እናበቘላ ዝሓድራ፡ ንሕጋዊ መንግስቲ ጐስየንን ሃገራዊ ትካላት ኣዳኺመንን ከምድላየን ዝገብራ፣ ካብኡ ሓሊፈን’ውን ክሳብ “መንግስቲ” ንምዃን ምስ ዝመጣጠራ ዘይመንግስታውያን ውድባት ምትእስሳር ዘለዎ’ዩ።

እዘን ዝተፈላለየ ስማት ዝተጠመቓን ዘብለጭልጭ ቴማታት ዝተሓንገጣን ዘይመንግስታውያን ውድባት፡ ብስም “ሓለዋ” ዝዓሰብኦም ዝተፈላለየ ኣጽዋር ዝዓጠቑ ጉጅለታት ኣለዉወን። እቲ ካብ ክሉ ዘስደምም፡ 80% መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዝህብ ትካላት፡ ብጉልባብ ብሕታዊ ወፍሪ (privatization) በዘን ውድባት ዝውነንን ዝካየድን ምዃኑ’ዩ። ብሕጽር ዝበለ፡ ሀይቲ ‘ሪፓብሊክ ዘይመንግስታውያን ውድባት’ (Republic of NGOs) ኰይና ትርከብ።

ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ መጽናዕቲታት ከምዘነጽሮ፡ ሀይቲ ብዘይተተንከፈ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ብሓፈሻ፡ ማዕድናት፡ ነዳዲን ጋዝን ድማ ብፍላይ ርብሕቲ’ኳ እንተዀነት፡ ናብ’ዚ ዘጠምት ኣዒንታ ተደፊኑን ነዚ ከማዕብል ዝኽእል ዓቕሚታታ ማህሚኑን፡ ኣብ ምዕራባዊ ንፍቀ-ክቢ “እታ ዝደኸየት ሃገር” ተባሂላ’ያ እትጥቀስ። ልዕሊ ፍርቂ ካብ ህዝባ፡ ትሕቲ መስመር ድኽነት’ዩ ዝርከብ። ሃብታም ዝሕረስ መሬት’ውን እንተለዋ፡ ጽላት ሕርሻ ስለዘይማዕበለ ወይ ክምዕብል ስለዘይተደልየ፡ ዝካየድ ንጥፈታት ካብ ናይ ዕንጋሎ ዝሓልፍ ኣይኰነን። 57.3% ቊጠባኣ ኣብ ጽላት ኣገልግሎት’ዩ ዝምርኰስ።

  • ንሀይቲ ብመንጽር ወግዓውያን ጸብጻባት ምስ እንርእያ፦
  • ኣብ መሐበሪ ሰባዊ ልምዓት፡ ካብ 187 ሃገራት መበል 168 ትሕዝ።
  • 59% ካብ ህዝባ ኣብ ድኽነት፣ 24.7% ኣብ ምሒር ድኽነት ይነብር።
  • መጠን ድኽነት ኣብ ገጠር 75.2%፣ ኣብ ከተማታት 40.8% ይበጽሕ።
  • ልዕሊ 2/3 ካብ ዓያዪ ዓቕሚ፡ ፍሉጥ ስራሕ የብሉን።
  • 50% ህጻናት ካብ መኣዲ ትምህርቲ ዝረሓቑ’ዮም።
  • 30% ካብቶም መባእታ ዝጅምሩ፡ ካብ 3ይ ክፍሊ ኣይሓልፉን።

ብዘይካ’ዚ፡ ሀይቲ ካብ’ተን ኣብ ታሪኽ ዝበዝሐ ዕልዋታት ዘአንገዳ ሃገራት ብምዃን፡ ኣብ ቅድሚት ትስራዕ። ናጽነታ ካብ እትረክብ 32 ዕልዋታት መንግስቲ ተኻዪዱላ’ሎ። ኣመሪካን ፈረንሳን’ውን ወተሃደራዊ ምትእትታዋት ገይረናላ’የን። ብሰንኪ’ዚ ርግኣት ዝኸልኣን ንምዝመዛን ሕጊ ኣልቦነትን ዘቃልዓን ተርእዮታት ድማ፡ ዛጊት ፍሕት ክትብል ኣይከኣለትን። ምስ ውሑዳት ብልሽዋት ሰብ-ረብሓ ሰበ-ስልጣንን ዕጡቓት ጉጅለታት ገበነኛታትን ዝተጠናነገ መርበባት ዘይመንግስታውያን ውድባት ድማ፡ ፍሕት ዘብላ ኣይመስልን።

ኣብ ከርሲ ምድራ ዝርከብን ድሮ ዓበይቲ ኮርፖረሽናት ምዕራብ ክማስሕኦ ዝጓየያሉ ዘለዋን ጸጋታታ፡ መርገም ከይኰና፡ ሓያሎ ወገናት ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ። ምኽንያቱ፡ ምስ ምጅማር ንጥፈታት ዕደና፡ ብሰንኪ ድኹም ሕግታት ዕደናን ኰነ ኢልካ ዝተሃመሸ ትካላትን፡ እቲ ፍኑው ምዝመዛ፡ ምምዝባል ዜጋታት ካብ ገዛእ መሬቶምን ኣከባብያዊ ዕንወትን ብምስዓብ፡ ኣብ ክንዲ መዐንገሊ፡ መቃተሊ ዜጋታታ ብምዃን፡ ነታ ሃገር ናብ ዝበኣሰ ዓዘቕቲ ከየውድቓ የስግእ። መምሃሪ ኣይግበርካን መምሃሪ ኣይኽላእካን’ዩ ነገሩ።

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More