Business is booming.

ረፈረንደም፡ መርኣያ ስልጡን ህዝብን ብሱል መሪሕነትን

ቅድሚ 30 ዓመታት፡ ካብ 23 – 25 ሚያዝያ 1993፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን፡ ኣብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሃገራዊ ውራይ’ዩ ተጸሚዱ ነይሩ – ረፈረንደም። ኣብ መጀመርያ 1950ታት፡ ህዝቢ ኤርትራ ከም ኩለን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝነበራ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ናጽነቱ ክረክብ ዝነበሮ ሕጋውን ባህሪያውን መሰል ምስ ተነፍጎን ዘካየዶ ሰላማዊ ቃልሲ ብዓሎቕ ምስ ተመለሰሉን፡ ኣብ ጎቦ ኣዳል ብዝነቀወት ጥይት ዝፈለሞ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብ ዓወት ድሕሪ ምብጽሑ፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብወለንትኡ፡ ሓራን ርትዓውን ምርጫ ህዝቢ ኤርትራ ብመገዲ ረፈረንደም ክረጋገጽ ወሲኑ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ መሰሉ ንምኽሓድን ተቓውሞኡ ንምድሃኽን ዝተሃቀነ ተኸታታሊ ናይ ሓይሊ ብድዐ መኪቱን ስዒሩን፡ ብ24 ግንቦት 1991 ሓርነቱ ኪጭብጥ ክኢሉ’ዩ። ምስናይ’ዚ ግን፡ ብኣዋጅቊ.22/1992 ንመስርሕ ረፈረንደም ዘሳልጥ ኮሚሽን ብምቛም፡ ሕግታትን ኣገባባትን ሓንጺጹ፣ ኣህጉራውያን ተዓዘብቲ ብቐንዱ ድማ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክሳተፍዎ’ውን ዓዲሙ።

ህዝቢ ኤርትራ ከኣ፡ ሃገራዊ ሕድሪ ኣልዒሉ፡ ብስልጡን ባህሊን ብምሉእ ስነ-ስርዓትን ወኒን ተዓጢቑሉ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ውጽኢት ናይ’ቲ “ኤርትራ፡ ናጻን ልኡላውነት ዘለዋን ሃገር ክትከውን ትድግፍዶ?” ዝብል ሕቶ፡99.8% “እወ ንናጽነት” ኰነ። እቲ ብደም ዝተረጋገጸ መሰል ከኣ፡ ብድምጺ – ኣብ ቅድሚ ዓለም ተደግመ።

እዚ ውጽኢት’ዚ ሃንደበታውን ትጽቢት ዘይተገብረሉን ኣይነበረን። እቲ ጉዳይ፡ ናይ ሓደ ህዝቢ ናይ ምዃንን ዘይምዃንን ሕቶ ስለዝነበረ፡ ፍሉጥን ርዱእን’ዩ ነይሩ። ኣዕጋብን ቅቡልን ታሪኻዊ መደምደምታ ምርጫ ህዝቢ ኤርትራ ኰይኑ ድማ፡ ኣብ ታሪኽ ብወርቂ ቀለም ተመዝጊቡ ይርከብ። ከም ውጽኢት ናይ’ዚ፡ ብ24 ግንቦት 1993 -ኤርትራ መበል 182 ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምዃን፡ ኣብ ዓለም ግቡእ ቦታኣን ክብራን ክትጭብጥ በቒዓ።

ረፈረንደም እምበኣር፡ መረጋገጺ ፍትሓውነት ነዊሕ ሃገራዊ ቃልስና’ዩ። ኣብ መሰልካ ምጽናዕን ንፍትሒ ምውፋይን፡ ውዒሉ ሓዲሩ ከምዘዕውት ዘረጋግጽ መርትዖ ድማ’ዩ።

እዚ ታሪኻዊ ፍጻመ’ዚ፡ ድሕሪ 43 ዓመታት ናይ’ቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕጋውን ባህሪያውን መሰል ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ብምንፋግ፡ ኤርትራ ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ክትቊረን ዘሕለፎን ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ንምርግጋጽ ከቢድ ዋጋ ዘኽፈሎ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይድ ዝደፋፍኦን ውሳነ ቊጽሪ 390A(V) እዩ ስዒቡ። ኣብ ወግዓዊ ሰነዳት ኮሚሽን ረፈረንደም ኤርትራ ሰፊሮም ዘለዉ ኣሃዛት’ውን፡ ምስ’ቲ ህዝብና ዘርኣዮ ጭውነትን ምሒር ድሌት ንናጽነትን፡ ንማሕበረሰብ ዓለም ንጹር መልእኽቲ’ዮም ኣመሓላሊፎም።

እዚ ቅድሚ 30 ዓመታት ዝተገብረ ታሪኻዊ ሕጋዊ መደምደምታ፡ ኣብ’ቲ ድሕሪ 1997 ናጽነት ኤርትራ ንምቕልባስ ዝተጋህደ ዕብዳንን ቅሉዕ ወራራትን፡ ንሓይሊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ተወሳኺ ድርዒ’ዩ ኰይኑ። ህላወ ኤርትራ ካብ ካርታ ዓለም ንምሕካኽ ንዝተኻየደ ውዲታት ኣብ ምዕጋስ’ውን ቀሊል ዘይኰነ ተራ’ዩ ነይርዎ። ውሳነ ረፈረንደም እምበኣር፡ንቕድሚት ዝጠመተ -መርኣያ ስልጡን ህዝብን ብሱል መሪሕነትን’ዩ ነይሩ።

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More