ትማሊ ዕለት 15/05/2023 ምሽት 10:05 ድቐ ካብ ፎሮ 15 ኪሜ ንሸነኽ ደቡባዊ ምዕራብ፣ ከምኡውን ካብ ዓዲ ቀይሕ ኣስታት 38 ኪሜ ንሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ፡ ርሒቑ ዝርከብ ከባቢ ሰዓተረ፡ ኣብ 40 ኪሜ ዕምቆት ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ኣብ ከተማታት ኣስመራ፣ ምጽዋዕ፣ ዓዲቕይሕ፣ ሰንዓፈን ከምዝተሰምዐ ጸብጻባት ይሕብሩ። ክሳብ ሕጂ ኣብ ሰብን ንብረትን ዘኸተሎ ጉድኣት ግን የለን።
ሚንስትሪ ጸዓትን ማዕድንን
ኣስመራ
16 ግንቦት 2023