Business is booming.

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ቻይና ዝገበሮ ወግዓዊ ምብጻሕ ፈጺሙ ተመሊሱ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዕድመ ፕረዚደንት ሺ ጂንፒንግካብ 14 ግንቦት ኣብ ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ዝገበሮ ወግዓዊ ምብጻሕ ፈጺሙ፡ ሎሚ ሰዓት 4፡00 ድሕሪ-ቐትሪ ተመሊሱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቻይና ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ምስ ፕረዚደንት ሺ ጂንፒንግን ቀዳማይ ሚኒስተር ሊ ኪያንግን፡ ብቐንዱ ኣብ ምድንፋዕ ታሪኻዊ ዝምድና ኤርትራን ቻይናን ሽርክነታዊ ምትሕግጋዝን ዘተኰረ ዓሚቚ ዝርርብ ኣካዪዱ።

ብዘይካ’ዚ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብሰበ-ስልጣን ቻይና ተሰንዩ፡ ኣብ ከተማታት በይጂን፡ቸንዱን ካልእ ቦታታትን ኣብ ዝርከባ ዓበይቲ ኩባንያታት ዑደት ብምክያድ፡ ምስ ሰበ-ስልጣን መንግስትን ዴሳዊሰልፊን፡ ከምኡ’ውን ኣካየድቲ ስራሕ ናይ’ተን ኩባንያታት፡ ኣብ ሽርክነትን ወፍርን ብመንጽር ቀዳምነታት ልምዓት ኤርትራን ዘሎ ተኽእሎታትን ዘትዩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ሚኒስተር ፋይናንስን ሃገራዊልምዓትን ዶ/ር ገርጊስ ተኽለሚካኤን ሚኒስተር ንግድን ኢንዳስትሪን ኣቶ ነስረዲን መሓመድ-ሳልሕን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ሓቢሮም ተጓዒዞም ነይሮም።

ፕረዚደንት ሺ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝገበሮ ወግዓዊ ናይ ምቕባል ስነ-ስርዓት፡ ብናይ ክብሪ ወተሃደራዊ ሰልፊ፡ልዑል ፕሮቶኮላዊ ኣገባብን 21 ግዜ ተዂሲ መዳፍዕን ዝተሰነየ ነይሩ።

ኤርትራን ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይናን ወግዓዊ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ካብ ዝምስርታ፡ ዝመጽእ 24 ግንቦት 30 ዓመተን ክመልኣ’የን።

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More