ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዕድመ ፕረዚደንት ሺ ጂንፒንግካብ 14 ግንቦት ኣብ ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ዝገበሮ ወግዓዊ ምብጻሕ ፈጺሙ፡ ሎሚ ሰዓት 4፡00 ድሕሪ-ቐትሪ ተመሊሱ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቻይና ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ምስ ፕረዚደንት ሺ ጂንፒንግን ቀዳማይ ሚኒስተር ሊ ኪያንግን፡ ብቐንዱ ኣብ ምድንፋዕ ታሪኻዊ ዝምድና ኤርትራን ቻይናን ሽርክነታዊ ምትሕግጋዝን ዘተኰረ ዓሚቚ ዝርርብ ኣካዪዱ።
ብዘይካ’ዚ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብሰበ-ስልጣን ቻይና ተሰንዩ፡ ኣብ ከተማታት በይጂን፡ቸንዱን ካልእ ቦታታትን ኣብ ዝርከባ ዓበይቲ ኩባንያታት ዑደት ብምክያድ፡ ምስ ሰበ-ስልጣን መንግስትን ዴሳዊሰልፊን፡ ከምኡ’ውን ኣካየድቲ ስራሕ ናይ’ተን ኩባንያታት፡ ኣብ ሽርክነትን ወፍርን ብመንጽር ቀዳምነታት ልምዓት ኤርትራን ዘሎ ተኽእሎታትን ዘትዩ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ሚኒስተር ፋይናንስን ሃገራዊልምዓትን ዶ/ር ገርጊስ ተኽለሚካኤን ሚኒስተር ንግድን ኢንዳስትሪን ኣቶ ነስረዲን መሓመድ-ሳልሕን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ሓቢሮም ተጓዒዞም ነይሮም።
ፕረዚደንት ሺ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝገበሮ ወግዓዊ ናይ ምቕባል ስነ-ስርዓት፡ ብናይ ክብሪ ወተሃደራዊ ሰልፊ፡ልዑል ፕሮቶኮላዊ ኣገባብን 21 ግዜ ተዂሲ መዳፍዕን ዝተሰነየ ነይሩ።
ኤርትራን ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይናን ወግዓዊ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ካብ ዝምስርታ፡ ዝመጽእ 24 ግንቦት 30 ዓመተን ክመልኣ’የን።