ጽዋእ ‘’ህያብ ናጽነት’’ ናይ ሓሙሽተ ዞባታታት ዑደታ ዛዚማ ብ21 ግንቦት ንዞባ ማእከል ኣብ ገሽናሽም – ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ተረኪባ።
ኣብቲ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሚኒስትሪ ምክልኻል ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮውሃንስ፡ ሓላፊ ዉድባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ዮሱፍ ሳይቕ፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ኣማሓደርቲ ንኡሳን ዞባታትን ብኣሻሓት ዝቑጸር ህዝቢን ዝተረኽቡሉ ናይ ምርኽኻብ ሰነ-ስርዓት፡ ኣማሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣምበሳደር ዓብደላ ሙሳ ነታ ጽዋእ ንኣማሓዳሪ ዞባ ማእከል ኣቶ ፍስሃየ ሃይለ ኣረኪባዋ።
ኣማሓዳሪ ዞባ ማእከል ኣቶ ፍስሃየ ሃይለ ድማ፡ ኮማንዶ ካብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ደርግ ኣብ 1984 ቅያ ዝፈጸመሉ ዝተወሰደ ዕማኮ ሓመድ ኣብ ጽዋእ ህያብ ናጽነት ብምዉሳኽ ንኣማሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ኣቶ ክፍለማርያም ገብረመሰቀል ኣረኪብዋ።
ኣማሓዳሪ ዞባ ማእከል ኣቶ ፍስሃየ ሃይለ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ “ሓመድ ሃገርና ተራ ሓመድ ዘይኮነ ብደምን ኣዕጽምትን ሰማእታትና ዝረዘነ ታሪኽ ዝዉንን ዘይተበርበረ ክቡር ማዕድን’ዩ” ድሕሪ ምባል፡ ቅምሶ ጽዋእ ህያብ ናጽነት ዞባና ቅያ ዉዕሎ 33 ነፈርቲ ዝሃሞኸን ገንእታት ነዳዲ ዘቃጸለን ሰፍ ዘይብል ክሳራ ዘውረደ፡ ዓንዲ ሕቆ ጸላኢ ዝጎዘዘን ብሃልሃልትኡ ጩራ ብርሃን ናጽነት ዘበሰረን ምዃኑ ገሊጹ።
ኣማሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣምበሳደር ዓብደላ ሙሳ ብወገኑ፡ ጽዋእ ‘’ህያብ ናጽነት’’ ካብ ታሪኻዊ ቦታታት ሃገርናን ርስትናን መሰረት ህላዌናን መንነትናን ዝኾነ ክቡር ሓመድ ናይ ሰማእታትና ኣስከሬን ዝሓቖፈት ምዃና ጠቒሱ፡ መንእሰያት ኣብ ምትርጓም ቅያን ጅግንነትን ዝሕላገታ ጽዋእ ‘’ህያብ ናጽነትና ሓያላት ክኾኑ ኣዘኻኺሩ።
ጽዋእ ‘’ህያብ ናጽነት’’ ኣብ ገሽናሽም ድሕሪ ዝተገበረላ ምዕሩግ ናይ ኣቐባብላ ስነ-ስርዓት፡ ብሰልፊ ሓይልታት ምክልኻል ተዓዚባ ጉዕዝኣ ናብ ሰረጀቓን ዛግርን ኣቅኒዓ። ነበርቲ ዓድታት ዓዲ-ከሎም፡ ሓየሎ፡ መስፍንቶ፡ ኣፍደዩ፡ ደቂ-ጴጥሮስ፡ ኳንደባን፡ ነበርትን ተማሃሮን ኣብ ዓዓድታቶም ድሙቕ ኣቐባብላ እንዳገበሩላ ወኪ ዛግር ኣትያ።
ኣብ ዛግር ኣማሓዳሪ ንኡስ ዞባ ስረጀቓ ኣቶ ክፍለማርያም ገብረመስቀል፡ ህዝቢ እቲ ንኡስ ዞባ ከም ኩሉ መሬት ኤርትራ ቅያን ተዋፋይነት ጅግንነትን ዝዉንን ምዃኑ ጠቒሱ፡ ነባሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ብግፍዕታት ጸላኢ ኣደራዕ ዝወርዶ ዝነበረ ዕጅብ ከይበሎ ኣብ ጎኒ ስውራኡ ናጽነት ክውን ንምግባር ዝጸዓረ ምዃኑ ሓቢሩ።
ጸላኢ ኣብቲ ከባቢ ህዝቢ ንምርዓድ ኣስካሕካሒ ግፍታት ዝፈጸመሉ’ኳ እንተኾነ ህዝቢ’ቲ ከባቢ ግን ውዳቤታቱ ኣሐይሉ ንሰውራኡ ካብ ምግልጋልን ምብርካትን ድሕር ከምዘይበለ ኣረዲኡ።
ኣብ ዛግር ንኽብሪ ጽዋእ ‘’ህያብ ዝገልጽ ጣዕሚ ዜማታትን ግጥምታትን ድሕሪ ምቕራብ፡ ጉዕዞኣ ቀጺላ እምባደርሆ ሓዲራ፡ ጽባሕ 22 ግንቦት ናብ ንኡስ ዞባ በሪኽ ክትርከብ’ያ።