Business is booming.

ኤርትራ፡ ኣብ ላዕለዋይ ኣኼባ ማሕበር ሕርሻዊ ምርምር ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ ተሳቲፋ

ኤርትራ፡ ኣብቲ ካብ 17 ክሳዕ 19 ግንቦት 2023፡ ኣብ ትሕቲ “ምህናጽ ዘላቒ ስርዓተ መግቢ፡ ንምምጋብ ወለዶታት ኣፍሪቃ” ዝብል ቴማ ኣብ ካምፓላ ዩጋንዳ እተኻየደ ላዕለዋይ ኣኼባ ማሕበር ሕርሻዊ ምርምር ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ ተሳቲፋ።

እቲ ንሰለስተ መዓልትታት እተኻየደ ጉባኤ፡ 2ይ ኣኼባ ባይቶ ሚኒስተራት፡ 4ይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ናይቲ ማሕበር ከምኡ’ውን ንቐጻልነትን ምስግጋርን ሕርሻዊ ምርምር ኣባል ሃገራት ዘገድስ ስነ-ፍልጠታዊ ዋዕላ ከምእተኻየደ ተፈሊጡ።

ኣብቲ ብሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ጥሪትን ሃብቲ-ዓሳን ዩጋንዳ እተሰናድአ ዋዕላ፡ ንሃገራት፡ ትካላት ሕርሻዊ ምርምር፡ ማሕበራት ሓረስቶት፡ ኮሌጃት ሕርሻ፡ ማሕበራት ደቀንስትዮን መንእሰያትን ዝወከሉ ኣስታት 300 ተሳተፍቲ ምንባሮም፡ ኣብቲ ዋዕላ እተሳተፈ፡ ብኣማኻሪ ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣማኑኤል ነጋሲ እተመርሐ ልኡኽ ኤርትራ ገሊጹ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብቲ ዋዕላ፡ኤርትራ ንዝመጽእ ክልተ ዓመታት ንሓፈሻዊ ባይቶ ማሕበር ሕርሻዊ ምርምር ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ፡ ብመገዲ ኣማኻሪ ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣማኑኤል ነጋሲ ፕረዚደንት ኰይና ክትመርሖ ከምእተመርጸት ተፈሊጡ።

ማሕበር ሕርሻዊ ምርምር ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ እትርከበን 15 ኣባል ሃገራት ዝሓቍፍ ዞባዊ ውድብ እዩ።

ጨንፈር ህዝባዊ ርክባት

ሚኒስትሪ ሕርሻ

22 ግንቦት 2023

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More