ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን
ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢን ወጻኢን፣ ምስ ኩሎም ፈተውቱን ሓራ ህዝቢ ዓለምን፣ ዮሃና ንዕለተ ናጽነት 32! ነዛ ዕዝዝቲ ዕለት ንምምዕራግ፣ ኣበዮ ቦትኡ፣ ገላጺን ቀስቃሲን መሳጢን መሰናድኦታት ኣብ ምድላው፣ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኩሎም ከኣ፡ ልዑል ምስጋና!
ዕለተ ናጽነት 2023፤ ናጽነትናን ልዑላዊነትናን ውህደትናን ዝያዳ ተዀሊዑ፤ ምረሻና ንልምዓትን ዕብየትን ጐልቢቱ ኣብ ዝኸደሉ ታሪኻዊ እዋን’ያ ትብዓል ዘላ። መጻኢ’ዚ ዓቢ ተስፋ ዝህብ ክስተት/ኩነት፤ እንታይን ብኸመይን? ዝብሉ ብድሆታት’ውን ስለዘበጋግስ፤ ናቱ ፍሉይ ተነሽጦ (excitement) ኣለዎ። እዚ ቀስቃሲ ምዕባለ’ዚ፤ ነቶም ናጽነትናን ልዑላዊነትናን ውህደትናን ልምዓትናን ራህዋናን ዘይስነቐሎም ዝጠፈሹ ተጻባእቲ፣ ዝበለየ መጻሕፍቶም እናገናጸሉ፤ ምህዞታት ተንኰል ሃሰው ዝብሉሉ ኣጋጣሚ’ውን ስለዝዀነ፤ ካልእ ዓይነት ብልሓተ-ብድሆ ዝሓትት’ዩ።
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን
ኣብ ናይ ዓሚ በዓል ናጽነት’ውን ከምዝጠቐስክዎ፤ ኣብ ናይ’ዚ ዝሓለፈ፣ ናይ ሰለስተ ወለዶታት፣ ኣስታት 80 ዓመታት መዋእል፤ ዓለማውያን ሓይሊታት ዕብለላ፤ ብቐንዱ ጃንዳታት ዋሺንግተንን ሰብ-ኪዳኖምን፤ ኣንጻር ሓርነትናን ናጽነትናን ኪጥቀሙሉ ዝጸንሑ ሽጣራ፤ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣናቚትካ፤ ቀጻሊ ኲናት ምስዋር’ዩ ነይሩ። ንዝዀነ ጥርጣረ ቦታ ዘይገድፍ ሓቂ ኸኣ፡ እቲ ሽጣራ ከምዘይሰርሐ፣ ዘረጋግጽ ጥራይ’ዩ። ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት፤ “ሓድሽ ምዕራፍ ተገንጺሉ” ኣብ ዝተባህለሉ፤ ዋሺንግተን፡ ነቲ ኣወንታዊ ክስተት ንምቕልባስ፤ ብወከልተይ እትብሎም፤ ሰለስተ ዓበይቲ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲታት’ያ ኣካዪዳ። እዚ ናይ መወዳእታ ሳልሳይ መጥቃዕቲ፤ ብውሁድ ምክልኻል ስለዝተገትአ ኸኣ፤ ምስናይ ሓደ-ሓደ ስክፍታታት፤ እቲ ምዕባለ መለበሚ ኰይኑ፣ ንመጻኢ ዕድል ሰላም ኪኸፍት ተስፋ/ትጽቢት ህዝቢታት ተነቢሩሉ’ሎ። ሞሳ ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ።
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን
ህዝቢታትን ሃገራትን፣ ቀርኒ-ኣፍሪቃን ኣፍሪቃን፤ ናጽነቶምን ልዑላዊነቶምን ኪኖ ምሕላው፤ ዞባዊን ክፍለ-ዞባዊን ጥምረታት እናነደቑ ኪጐዓዙ፤ ግድነት’ምበር ሕርያ ኣይኰነን። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ፣ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሰላሳ ዓመታት፤ መንግስቲ ኤርትራ፣ ንዘላቒ ሓባራዊ ቁጠባዊ ዕብየትን፤ ንርግኣትን፤ ምምካት ሽበራን፣ ጸረ-ድሕነታዊ ሸርሒታትን፤ ንዞባዊ ጥምረት ከይተሓለለ ዝሰርሐ። ብዙሕ ተስፋ ዝህብ ክስተታት እናሃለወ ግን፣ ከም’ዚ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ኣብ ሱዳን ዝተወልዐ ወተሃደራዊ ግጭት፤ ጽንዓት መብጽዓና’ኳ ተዘይተንከፈ፤ ኣሰካፊን ዝያዳ ኣቓልቦ ዝሓትትን ምዕባለ’ዩ። ኣብ ዝተኻየደ ቃለ-መሕትት ከብርሆ ከምዝፈተንኩ፤ ናይ ህዝቢ ሱዳን መሰጋገሪ መድርኽ ናብ በሪ ኣማን፤ ሓጺርን ንጹርን ጐደና እናሃለዎ፤ ብዘይቅርዑይ ዘቤታዊ ኣተኣላልያን፣ ቅሉዕ ግዳማዊ ምትእትታዋትን፤ እቲ ጉዕዞ ካብ መኣዝን ስለዝወጸ፤ ሓደገኛ ምዕባለታት ኣኸቲሉ፡ ዘየላቡ ዕቱብ ዞባዊ ተበግሶ ከምዝሓትት ኣብሪሁ ኣሎ።
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን
ትስፉው ዘቤታዊ ኩነታትናን ምዕባለታቱን፤ ምስ ሓደ-ሓደ ዘሰክፍ ዞባዊ ክስተታት፤ ኣብ ውሽጢ ዓለማዊ ነውጺ ዝመስል ኩነታት ዝርአን፤ ዝምድናታቱን ተጸላላዊነቱን፤ ብወድዓዊነት ምግንዛብ ዝሓትት’ዩ። ብሓፈሻዊ ትንታኔኣዊ ኣገማግማ፤ ካብ ናይ ኣስታት 30 ዓመታት፣ ናይ ከንቱ (futile) ህቀና ንእንኮ-ቐጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት፤ ናይ ሓድሽ ዓለማዊ-ስርዓት ንሰጋገር ኣሎና፣ ኪብሃል ይከኣል። ጃንዳ ዋሺንግተን ዝመርሖ፣ ዝጠፈሸ ኪዳን ሰሜን-ኣትላቲክ ኰነ፣ ዝተፈራኸሸ ናይ ገንዘባዊ ኪዳን ኤውሮጳዊ ሕብረት፤ ንዘቘልዐ ዓማጺ ኣጀንዳታቶም፣ ጽዑቕ-ክንክን (intensive care) ንምግባር ዘካይዱዎ ከንቱ ህቀናታት፤ ዓለም ረቢሹ ዘሎ እዋናዊ ተርእዮ እዩ።
ፍልስፍናኦም ኰነ ሸቶታቶም፤ ሓድሽ ምህዞ የብሉን። “ዘይናትካ ሃብቲን ጸጋን ዕድልን ምእንቲ ክትግብት፤ ዓለም ኣብ ናይ ጽልዋ ክሊታት ከፋፊልካ ዓብልል” እዩ፣ ናይ ወለዶታት ታሪኾምን ባህሎምን። ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት፣ ድሕሪ ምኽታም ዝሑል ኲናት ግን፤ በጋጣሚ ጌጋታት መራሕታ፤ እታ ቀዳመይቲ “መወዳድርትና” ዝብሉዋ ሶቭየት-ነበር ስለዝተፈራኸሸትሎም፤ “ደጊም ዓለም ናትና ክትከውን’ያ!” ካብ ዝብል ዘጋለበ ህንጡይ ዕንደራ ዘሊሎም፤ “ድረታ” ዝሰመዩዎ ውጥን ኣዋዲዶም፤ ኣብ ኩሉ ዓውዲታት ጸብለልትነት፣ “ብቑጠባዊን ወታሃደራዊን ቴክኖሎጂያዊን … ሓይሊ) ዝዳረገና/ዝወዳደረና ጐብለል ኪህሉ የብሉን ኢሎም፤ ክፉት ኲናት ኣዊጆም’ዮም ኪጐዓዙ ጸኒሖም።
ኣብ መጀመርያ 90ታት፤ እታ ቀዳመይቲ ስግኣት ዝቘጽሩዋ ሩስያ ስለዝነበረት፤ “ድረታ” ናብኣ ዘዝበለ’ዩ ነይሩ። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ፣ ንቻይና ከም ምንጪ ሕሱር ዓያዪ ጸጋን፣ ብልጫታት ጸዓትን፤ ከም ጉልበት ክንምዝምዛ ንኽእል ኢና ኢሎም፣ ብጌጋ ስለዝገመቱ፤ ከም’ዚ ሕጂ ርዒዶሞ ዘለዉ፣ ኣይተሰከፉላን። ናይ ቻይና ዓርሞሽሽ ብልጫታት እናጐልሐ ምስ ወጸ ግን፤ ምስናይ ዘካየዱዎ ናይ ምምጽዳቕ ፕሮፖጋንዳ፤ ቻይና፣ ቀዳመይቲ ስግኣቶም ኰይና፤ ዝዓበየ ናይ “ድረታ” ሻቕሎቶምን ቍርቍሶምን፤ ኣንጻራ ዝቐንዐ’ዩ።
እዚ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዓለም፣ ብዋሺንግተንን ሰዓብታን ኪህንደስ ዝፍተን ዘሎ ሓደገኛ ኪዳናት፤ ምፍሻሉ ዘይተርፍ’ኳ እንተዀነ፤ ቅልውላዋት እናራብሐ፤ ዕንወት ከኸትል ስለዝኽእል፤ ዝርዝራዊ ክዉን ምዕባለታቱን፣ ንበያታቱን፣ ብጐኒ ገዲፍካ፤ ብሰፊሕ ዓለማዊ ምትሕብባር፤ ኣሉታዊ ሳዕቤናት’ቲ ዕንደራ ንምውጋድን፤ ሓድሽ ናይ ፍትሒ ዓለማዊ ስርዓት ንምምጻእን፤ ናይ ሓራ ህዝቢታት ዓለም፣ ምሕዝነትን ምትሕብባርን ኣድላዪነት፣ ዘከራኽር ኣይኰነን።
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን
ዘቤታዊ ይኹን፣ ዞባዊን ክፍለ-ዓለማዊን ኩነታትና፤ ምስ ዓለማዊ ምዕባለታት ብወድዓዊነት እናዛመድና ኣብ ‘ንጐዓዘሉ፤ ከም ኣጋጣሚ፤ ኣብ’ዚ ትስፉው ዓለማዊ ምቅይያራት ዝረኣየሉ ዘሎ ሃዋሁ፤ ሓድሽ ኣለዎ’ኳ ‘ተዘይተባህለ፤ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ዝተዘርግሐ “ጥሙር ሃገራዊ እስትራተጂ” (Integrated country Strategy) ዝተሰምየ ሰነድ ዋሺንግተን’ዩ።
ኣብ ኣጠቓላሊ ትሕዝቶኡ፤ ኤርትራ ንምስይጣንን፣ መልክዓ ንምድዋንን፣ ዝገፋፈጦ ሕሱር ቅጽላት ብዙሕ’ዩ። ሓይሊታት ምክልኻል ኤርትራ፣ ብግህሰት ንምጥቃን ዝገብሮ ህቀና’ውን ውሑድ ኣይኰነን። ካብኡ – ናብኡ፤ ብዛዕባ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘለዎ ራዕዲ ርኡይ’ዩ። ብዛዕባ ቻይናን ጽልዋኣን ኰነ፣ ዝሓልሞ ሓደጋታትን’ውን ከይሓብአ፤ ቻይና UN ክትዕብልል ትሰርሕ ከምዘላ፤ ቻይና ንምድራትን፡ ኣብ ቁጠባ ኤርትራ ከይተውፍርን፡ “ጽልዋኣ” ከጥፍእን ኪሰርሕ ምዃኑ ኣብሪሁ’ሎ። ናይ መወዳእታ ዕላማ ናይ’ቲ እስትራተጂ ኸኣ፤ ንመንግስቲ ኤርትራ ምንጻልን፣ ብቑጠባዊ እገዳ ምድኻምን ኰይኑ፤ ዞባዊ ተራ ኤርትራ ምድራትን፤ መጻኢ ወለዶ ንምስዳዕ ምብልሓትን’ዩ። እቲ ሰነድ፤ ኲናት ይእውጅ ከምዘሎ፤ ነብሰ-ገላጺ’ዩ።
ከም’ዚ ዝበለ፤ ኣህጉራዊ ሕጊታት ዝረግጽ፤ ናጽነትን ልዑላዊነትን ህዝቢ ዝግህስ፤ ዞባዊ ርግኣት ዝዘርግ ዓንዳሪ ምትእትታዋት፤ መርኣያን ምስክርን ባህርያት ዋሺንግተን ጥራይ ዘይኰነ፤ ናይቲ ስርዓት ፍሽለትን ጥፍሽናን’ውን፣ ኣጕሊሑ ዘነጽር’ዩ። ኣብ መንጎ መስመራት ንምንባብ ኰነ፤ ዘይተቓልዑን ዘይተኣወጁን ሰነዳት’ውን እንታይ ክብሉ ከምዝኽእሉ ንምግማት ስለዘየሸግር፤ ብዘቤታዊን ዞባዊን ዓለማዊን ደረጃታት፤ ናይ መኸተ ውጥናት ከሊስካን ኣወርጺጽካን፤ ጸጋታትን ሓይሊን ኣጐሳጒስካ፤ ብቅያ ምምራሽ’ዩ ፈውሱ።
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን
ናይ መኸተ ኩሉ-መዳያዊ ሕርያና፤ ከም ወትሩ ባዕላዊ ዘይኰነ፤ ዓቢ ክፋሉ፤ ብእስትራተጂ ተጻባእቲ ስለዝውሰን፤ እቲ ሜዳ እንታይ ከምዝመስል፤ ኣጸቢቑ በሪሁ’ሎ። ብውህሉል ዕዉት ተመኩሮናን፤ ተዀሊዑን ተደሪዑን ዘሎ ናጽነትናን ልዑላዊነትናን ስጡም መሳርዕናን፤ ምረሻና ንልምዓትን ዕብየትን ዓጸፋ ኣጐልቢትና ክንነጥፍን፤ ተኸሊሶም ዘለዉ ናይ ትሕተ-ቕርጺን ጸዓትን ማይን ባሕሪን፡ ሕርሻን፡ ዕደናን፡ መጐዓዝያን፡ ምስናዕን፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን፡ ሰፊሕ ህዝባዊ ወፍሪን፡ ልዑል ኣበርክቶ ንምግባር፣ ተበግሶታትና ከነዕዝዝ ለበዋ ዘድልዮ ኣይኰነን። በንጻር ተጻብኦታት፤ ናጽነትናን ልዑላዊነትናን ውህደትናን ሓሲንና፤ ርጉእ ሃዋሁ ልምዓት ንምውሓስ ከኣ፤ ትኽስ/ምዝናይ ኣይኪህሉን’ዩ።
ካብ ዘቤታዊ ቀዳምነታትና ብዘይፍለ፤ ኣብ ዞባዊን ዓለማዊን መድርኻት ዝጽበዩና ዕማማት’ውን፤ ማዕረ-ማዕረ።
ክብሪን መጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና!
ዓወት ንሓፋሽ!