“ሰሪቓስ እንተትሓፍረለይ” ዘብል መርመም ዜና ክጋዋሕ ቀንዩ። “ንጥሙያት ዝተለገሰ ረድኤት ናብ ዘይምልከቶም ይኸይድን ተሰሪቑ ኣብ ዕዳጋ ይውዕልን ስለዘሎ፡ ሓገዝና ኣቋሪጽናዮ ኣለና” ዝብል ላግጺን ቅየዐን ዝመስል ዜና። ዘገናዝብ ኣእምሮ፡ ነዚ ዜና’ዚ ክሰምዕ ከሎ ከፈልፍሎ ዝኽእል ሕቶታት ብዙሕ’ዩ።
– ኣማኢት ኣሽሓት ዕጡቓት ንክልተ ዓመት ዝኣክል፡ ከይሓረሱ፡ ከይኣንሰሱ፡ እንታይ ተዓንጊሎም ይዋግኡ ነይሮም?
– ከንቱ ዕንደራ ብምምዋል፡ ህልቂት ‘ሚልዮን ሰባት’ ዘሳሰየ ልግሲ፡ ምንጩ ካበይ ነበረ? ለገስቱ እኒ መን ነበሩ?
– ኣብ ግዜ ውግእ ሕላገተን እኳ ከይከወላ ዕጡቓት ዘመላልሳ ዝነበራ ኣሽሓት ናይ ጽዕነት መካይን ናይ መን እየን?
– መካይን ረድኤት፡ ዕጡቓት ኣሳፊረን ኣብ ዓውደ ውግእ ብነፈርቲን ድሮናትን ክህሞዃ ህዝቢ ዓለም ኣይተዓዘበን ድዩ? ሽዑ ዋና ከምዘይብለን ዝሓተለን ዝተሳእነ ስለምንታይ?
– ኣብ ሳንጣ ምውታትን ምሩኻትን ዝጸንሕ ዝነበረ ‘መግቢ-ሓይሊ’ መን ዝለገሶ’ዩ? ሽዑ ዋናኡ ስለምንታይ ከምዚ ሕጂ ‘ተሰሪቐ’ ኢሉ ኣይወጨጨን?
– ምስ ረድኤት ተጸንቢሩን ብስውር በረራታትን ዝወሃብ ዝነበረ ዕጥቂን መራኸቢታትን ዓጾቦ ንምፍዋስ ድዩ ነይሩ?
– ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ሓደ ግዜ ሕቡራት ሃገራት ‘ረድኤት ከብጽሓ ዝተላእካ ኣማኢት በጣሓተይ ኣይተመልሳን’፣ ሓደ ግዜ ድማ ፕሮግራም መግቢ ዓለም (WFP) ‘570,000 ሊትሮ ነዳዲ ተሰሪቑኒ’ ምባሎም ከይዘንጋዕካ፣ ስፍሪ ዘይብሉ ስንቂ፡ ኣሽሓት መካይን ረድኤት፡ ሚልዮናት በራሚል ነዳዲ፡ ዕንደራ ከተኣናግድ ከሎ፡ ስለምንታይ “ተሰሪቕና” ዘይተባህለ? በቲ ግዜ’ቲ ምጽቃጥ ወይ ዕሽሽታ ዝተመርጸሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?. . .
ክውሕዝ ዝኽእል ሕቶታት ማእለያ የብሉን። “ንለባም ኣምተሉ” ከምዝበሃል ድማ፡ ሞጎታዊ ሰብ፡ መልሲ ኣይጽበየሉን። ገዚፍን ተመራማርን ሓንጎል ስለዘይሓትት። እዚ ዝተጠቕሰ ዓለም ብዓለሙ ዝፈልጦ ዓይኑ ዘፍጠጠ ሓቂ ሓዲግካ፡ ‘ረድኤት ተሰሪቑና’ ምባል ድኣ፡ ንኣእምሮ ሰባት ምጽራፍ’ዶ ኣይከውንን? ወይስ ‘ሰባት ብሓድሽ ዜና ምግራም እምበር፡ ናይ ትማሊ ኣይዝክሩን ኣይገናዝቡን እዮም’ ካብ ዝብል ንዕቀት ዝብገስ?
ሕጂ ድሕሪ ማይ ኣብ በዓቲ፡ ተልእኾ ምስ በርዓነ፡ ከምዚ ዓይነት ዜና ምግዋሕ ዘድለየሉ ምኽንያት’ከ እንታይ ኮን ይኸውን? እዚ እውን ብግደኡ ተወሳኺ ሕቶታት ዘለዓዕል እዩ?
– ኲናት ኣይመወልናን? ዕንደራ ካብ ዘስዓቦ ህልቂትን ዕንወትን ኢድና ሕጹብ’ዩ ንምባል?
– መኻስስቲ ኣብዚሕካ ነቲ ፍሩይን ዝኸፍአን ሓጥያት ምዕብላዂ?
– ዕንደራ ንምምዋል ብላሽ ዝባኸነ ወጻኢታት ተጸብጺቡ ክሳራ ስለዝኸበደ ?
– ወይስ ንኲናት ዝምውል እምበር ንጽጉማት ዝልገስ ረድኤት የብልናን ስለዝተባህለ?
መልሲ ናይዚ ሕቶታት’ዚ እውን፡ ንሞጎታዊ ኣእምሮ ርእሰ-ግሉጽ እዩ። ሎሚ ምድርጓሕ ዝጽበ በሃም እናውሓደ ንቕሓት ሰባት እናበረኸ፡ ምስሉይነት ፖለቲካ ሰብኣዊ ሓገዝን ሰብኣዊ መሰልን ዕርቃኑ ኣብ ዝወጻሉ ግዜ ኢና ንርከብ። ክንዲ ዝኾነ ሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙሓን፡ ንኸምዚ ዓይነት ዜና ‘ተረኽበ’ ኢሎም ካብ ምግዋሕ፡ ሓቅታት ሎምን ትማሊን ብምግንዛብ ብነቐፌታዊ ዓይኒ ክብድህዎ ሞያዊ ግዴታ ኣለዎም። ኣእምሮ ሰባት ምጽራፍን ምንዓቕን ‘ዓገብ!’ ክበሃል ዝግብኦ’ዩ።
ቦርድ ክፍሊ ጋዜጣ