ኣብዚ ሰሙን’ዚ መንግስቲ ፈረንሳ፡ “ራምብል” ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ (Rumble online video platform) ኣብ ሃገሩ ኣገልግሎት ከይህብ ኣጊዱ። መንግስቲ ፈረንሳ፡ እቲ ማዕከን ዝዝርግሖ ሓበሬታ “ንሃገራዊ ድሕነት ፈረንሳ ሓደጋ’ዩ፣ ብሕልፊ ምስቲ ዝመጽእ ዘሎ እዋን ምርጫ ተኣሳሲሩ ስግኣት’ዩ” ብዝብል ምኽንያት እዩ ከምዝኣገዶ ብወግዒ ኣፍሊጡ።
እዚ ስጉምቲ’ዚ ብሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ተወሲዱ ነይሩ እንተዝኸውን እንታይ ኮን ምሰማዕና? ኣምሰሉነት ምዕራባዊ ዓለም ዝፈልጥ ኩሉ ክግምቶ ዝኽእል’ዩ። . . .ማዕከናት ዜና ምዕራብ ነውሪ ከምእተፈጸመ ዳንኬራ ምተኸላ፡ እተን ንነብሰን “ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰል” ኢለን ዝጽውዓ መጋበርያ ዓለማዊ ዕብለላ ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ ኣዝዩ ዘሰንብድ ግህሰት ከምእተፈጸመ ኣምሲለን ኣእዛን ማሕበረሰብ ዓለም መደንቆራ። ብኣንጻሩ ግን፡ መንግስቲ ፈረንሳ ወይ ካልኦት ዓበይቲ መንግስታት ምዕራባዊ ዓለም ከምኡ ዓይነት ስጉምቲ ክወስዳ እንከለዋ፡ ሰሚዕካ ከምዘይሰማዕካ ምስቃጥ ልሙድ’ዩ። ንሃገራዊ ድሕነት ኤውሮጳዊት ሃገር ሓደጋ ክሳብ ዝኾነ፡ ቅቡልን ኣድላዪን እዩ።
ፈረንሳ፡ ሓንቲ ካብ መስረትቲ ሕቡራት ሃገራትን ኣጸደቕቲ ቻርተሩን እያ። ኣብ ባይቶ ጸጥታ ናይ ቀዋሚ ኣባልነት መንበር ዘለዋ ብምዃና፡ ነቲ ቻርተር ብጽኑዕ ክሕልዋኦ (ንባዕለን ኣብነት ኮይነን) ትጽቢት ካብ ዝግበረለን ሃገራት ሓንቲ እያ። ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ዓንቀጽ 9፡ “ነፍሲ ወከፍ ሰብ ርእይቶኡን ሓሳባቱን ናይ ምግላጽ ናጽነት ኣለዎ፣ እዚ መሰል’ዚ ብዘይ ጣልቃ ርእይቶኻ ምሃብ፡ ሓበሬታ ምርካብ፡ ብዝኾነ ሚድያ ሓሳብካ ብዘይገደብ ምግላጽ ዘጠቓልል’ዩ” ይብል።
መንግስቲ ፈረንሳ ዝወሰዶ ስጉምቲ እምበኣር፡ ብመንጽር ኣህጉራዊ ሕጊ፡ ንመትከላት ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ኣድማሳውያን ሕጋጋትን ዝጥሓሰ እዩ። ፈረንሳ እትኣክል ዓባይ ሃገር፡ ብሓደ ብሕታዊ መርበብ ሓበሬታ ሰጊኣ፡ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ክትወስድ መርመም እኳ እንተኾነ፡ ከም ተርእዮ ግን ሓድሽ ኣይኮነን። ንቡርን ልሙድን ክስተት እዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ምኡዝ ስብከት ዝካየደሉ፡ ኣብ ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ኮነ ኣብ ካልኦት ኣድማሳውያን ሕጋጋትን ውዕላትን ዝሰፈረ በብዓይነቱ ኣስማት ዝተዋህቦ መሰል ሓርነታት፡ ኣብ ልዕሊ ድኹማት ህዝብታትን መንግስታትን ዝስግደድ እምበር፡ ንዓንተራት ግድን ዝቕይድ ኣይኮነን። ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ብስሩ ክርጥረጥ ወይ ድማ ከምዝጥዕመካ ገይርካ ክስርሓሉ ዝኽእል እዩ። ከምዚ ዓይነት ሓለፋ ዘለወን ሃገራት ከኣ ውሑዳት እየን። ካልኦት መንግስታት ዓለም፡ ንሃገራዊ ድሕነተን ዘስግእ ከቢድ ሓደጋ እውን እንተገጠመን፡ ከምኡ ዓይነት ስጉምቲ ከይወስዳ ኩኑናት እየን።
ናይ ቀረባ ኣብነት ክንምልከት ንኽእል ኢና። ኣሸቀልቲ ወያነ፡ ብዋጋ ህልቂትን ስቓይን ህዝቢታት፡ ሰለስተ ተኸታታሊ ዕንደራ ቅብጸት ኣብ ዘካይድሉ ዝነበሩ እዋን፡ ሃገር ክፍንጥሕ፡ ዞባዊ ሰላም ክህውጽ ዝኽእል ርኡይ ሓደጋ ተፈጢሩ እናሃለወ፡ ኣብ ልዕሊ ሚድያታት ስጉምቲ ከይውሰድ ዝገብሩዎ ዝነበሩ ጸቕጢ፣ ብማዕከናት ዜናኦም ኲናት ንምጉሃር ዝነፍሕዎ ዝነበሩ ኣደንቋሪ ፕሮፖጋንዳ፣ ነቲ ዓንዳሪ ከም ግዳይ ኣምሲሎም ዘካይድዎ ዝነበሩ ዘመተ ‘ጂኖሳይድ’ ኩሉ ዝዝክሮ እዩ።
ኣምሰሉነትን ግብዝናን ምዕራባዊ ዓለም ዓይኒ ሕንከት የብሉን። ሃገራት ምዕራብ ናብቲ ሕጂ በጺሐንኦ ዘለዋ ደረጃ ምዕባለ ንምብጻሕ፡ ክንደይ ዝኣክል ሃብቲ ካልኦት ህዝብታት ዘሪፈን፡ እንታይ ዓይነት ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ፈጺመን ታሪኽ ዝሰነዶ’ዩ። ነገረ ምዕራባውያን ግና፡ “ዝኣኽለን ጥሒነን በዓል ይብላ” እዩ። እቲ ጽቡቕ ነገር ግዳ፡ ሎሚ ህዝቢ ዓለም ነቲ ብምስሉይ ስብከት ቀልቢ የዋሃት ክስሕብን ከጋጊን ዝጸንሐ መሀመሊ ፖለቲካ ሰብኣዊ መሰል፡ ኣድማሳዊ ሓርነትን ደሞክራሲን እናነቕሓሉ፡ ድርብ ዕያሩ ብስፍሓት ኣብ ዝቃልዓሉ ግዜ በጺሕና ምህላውና እዩ።
ቦርድ ክፍሊ ጋዜጣ