ፈስቲቫል ኤርትራውያን ነበርቲ ጀርመን፡ ብ8 ሓምለ ኣብ ከተማ ጌሰን ተኸፊቱ።
ኣብ’ዚ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ጀርመንን ጎረባብቲ ሃገራትን ዝመጹ ኤርትራውያን ዝሳተፍዎ ዘለዉ ሃገራዊ ምትእኽኻብ፡ ካብ ኤርትራ ዝኸዱ ኣመሓደርቲ ዞባታት ድምቀት ከምዝወሰኹሉ፡ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫል፡ ባህላዊ መደባት፡ ስእላዊ ምርኢት፡ መደባት ቈልዑ፡ ከምኡ’ውን ምክፋል ባህልን ልምድን ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ምስ መሓዙት ዘጠቓልል ትሕዝቶ ኣለዎ።