Business is booming.

ኣባላት መበል 35 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ቃለ-ማሕላ ብምፍጻም ተመሪቘም።

ንሓደ ዓመት ኣብ ሳዋ ናይ 12 ክፍሊ ኣካዳምያዊ ትምህርቶም ክከታተሉን ወተሃደራውን ፖለቲካውን ስልጠናታት ክቐስሙን ዝጸንሑ ኣባላት መበል 35 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ሎሚ 15 ሓምለ ተመሪቘም።

ኣብ’ቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሚኒስተራት፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ካልኦት ሰበ-ስልጣንን ዝተረኽብሉ ኣጋጣሚ ተመረቕቲ ኣብ ቴማ ‘ቅያ ስጡም መስርዕ’ ዝተጠምረ፡ ንምትእስሳር መንእሰያት ኤርትራን ሳዋን፡ ንሃገሩ ዘለዎ ፍቕርን ዘንጸባርቕ ብብሎካት ዝተኸፋፈለ ምዕሩግ ወተሃደራዊ ሰልፊ ኣቕሪቦም።

ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮሎኔል ደበሳይ ግደ ኣብ ዘቕረቦ ሓጺር ጸብጻብ፡ መበል 35 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ወተሃደራዊ ስልጠና፡ ዲሲፕሊንን ስነ-ምግባርን ንኡዳትን ካብ ዝሓለፉ ዙርያታት ጸብለልታ ዘርኣዩን ከምዝኾኑ ገሊጹ።

ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ሰልጠንቲ 49.8 ሚእታዊት ደቂኣንስትዮ ኮይነን፡ ንኹሉ ዝተዋህበን ስልጠናን ስራሕን ብብቕዓት ከምዘተግበራ ዝጠቐሰ ኮሎኔል ደበሳይ፡ ኣጠቓላሊ ገምጋም ውጽኢት ሰልጠንቲ ኣብ ኩሉ ዝተኻየደሎም ወተሃደራዊ ስልጠና 75.4 ሚእታዊት ከምዝኾነ ኣረጋጊጹ።

ኮሎኔል ደበሳይ ግደ ኣብ መወዳእታ፡ ታዕሊም ካብ ዝጀመሩ ሰልጠንቲ 4.2 ሚእታዊት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከቋርጹ ከለው፡ 95.8 ሚእታዊት ስልጠናኦም ብግቡእ ዛዚሞም ንምምራቕ ከምዝበጽሑ ብምግላጽ፡ ኣጥርዮምዎ ዘለው ኩሉንትናዊ ብቕዓትን ንቕሓትን ኣብ’ቲ ዝኸድዎ ቦታታት ክዕቀብን ክተባብዑን ኣዘኻኺሩ።

ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ንተመረቕቲን ወለድን ዮሃና ንኣለይቲን መምህራንን ድማ ልዑል ምስጋና።” ድሕሪ ምባል፡ መመረቕታ መበል 35 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተጻብኦታትን መጥቃዕቲታትን ኣምኪንና ኣብ ዝተረርናሉ፣ ኣብ ውሽጢ ዝናወጽ ጐዶቦን ብፍጥነት ዝቀያየር ዓለምን ንዝበለጸ ልምዓትን መኸተን ኣብ እንምርሸሉ ዘለና እዋን ይካየድ ብምህላው ፍሉይ ቃና ከምዘለዎ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣስዒቡ፡ ኣብ 34 ዙርያ ዘተኣታተናዮ ምምሕያሽ መደባትና፡ ምስ’ቲ ዛጊት ተዋህሊሉ ዘሎ ተመክሮ፡ 35 ዙርያ ብተዛማዲ ናብ ዝያዳ ዝተመሓየሸን ዝበረኸን ምስሳን ጸጋታትና ምእንቲ ክወስደና፡ ኣብ መደባት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣገዳሲ ምዕራፍ ከምዝኾነ ኣነጺሩ።

ኣብ መወዳእታ ሰልጠንቲ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብምሉእ ዓቕሞም ከገልግሉን ንዒላማታት ሃገራዊ ኣገልግሎት ክሰርሑን ቃለ-ማሕላ ፈጺሞም።

እቲ ናይ መመረቕታ ስነ-ስዓት ብምዕዳል ሽልማት ንብሉጻት ሰልጠንቲ፡ ኣሃዱታትን ከምኡ’ዉን ብባህላዊ መሰናድኦታት ደሚቚ ነይሩ።

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More