ኣዳራሽ ዳዕሮ ከም መቐጸልታ ናይቲ ሰብ ብዙሕ ሞያታት ዓዲማ ናይ ኢሂን ምሂን ኣጋጣሚ እትፈጥር፡ ዝሓለፈ ሰሙን’ውን ብርክት ዝበሉ ዕዱማት ኣጋይሽ ዝሰሓበ ኣርእስቲ’ያ አአንጊዳ። እንበኣር ንጋሻና ንምልላይ ከምቲ መራሒ መደብ ዝበሎ “ንነጸላ ክጽዕድወልካ ጻዕዳ ቀለም ምልካይ” ከይከውን ደራሲ ተመራማሪ ከምኡ’ውን ኣቦ ባህሊ ዝኾነ ስነ-ጥበበኛ ሰለሞን ጸሃየ እዩ ኔሩ።
ኣፋዊ ስነ-ግጥሚ፡ ብጽሑፍ ወይ ብኤሌክትሮኒክያዊ መሳርሒ ብዝተመልአ ድምጺ ዘይኮነ፡ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብኣፍ ክመሓላለፍ ንዝጸንሐ፡ ብቐንዱ ዘየንብቡ ወይ ዘይጽሕፉ ሰባት ንዝደረሱዎን ዘቕረቡዎን ግጥምታት ብሓፈሻ ዝወሃብ መግለጺ’ዩ። ኣፋዊ ስነ-ግጥሚ ትግርኛ፡ ኣዝዩ ዓቢ ምናልባት’ውን እቲ ዝዓበየ ክፋል ስነ-ጽሑፍ ትግርኛ’ዩ። ብዙሕ ዓይነታትን ዝተፈላለየ ዝውታረን ድማ ኣለዎ። መብዛሕትኡ ብዜማ ወይ ሓደ ዓይነት ቃና ተሰኑዩ ናብ ሰማዕቲ ስለ ዝቐርብ ድማ ኣዘናጋዕን ሰሓብን ይኸውን። ብተጋጣሚ ድምጽታት (ብግጥሚ) ዝበሃል ምዃኑ ድማ ንጽር ኢሉ ኣብ እዝኒ ዝድውልን ተዘካርን ይገብሮ።
ማሰ፡ ኣማሰወ ካብ ዝብል፤ ሞሳ ሃበ፡ ኣመስገነ፡ ወደሰ፡ መጐሰ… ዝትርጕሙ ቃል ዝመንጨወ ብሂል እዩ። እዚ ትርጉም’ዚ፡ ማሰ ክጅምር ከሎ ከምቲ መብዛሕትኡ እዋናት ኣብ ማሰ ወይ ኣውሎ ዝግበር፡ ነቶም ሰብ ውራይ ንምምስጋንን ወይ ንምንኣድ ተባሂሉ ይግጠም ከም ዝነበረ የመልክት። ምስ ግዜ ግን ነዚ ናይ ምምስጋን ወይ ምንኣድ ትርጉም ከይገደፈ፡ ማሰ ንምምዓድ፡ ንምንቃፍ፡ ንምሕባርን ካልእ ብርክት ዝበለ ዕላማታትን እውን ተዘውተረ።
መልቀስ ካብቲ በኸየ፡ ቈዘመ ዝትርጕሙ ኣልቀሰ ዝብል ቃል ዝወጽአ እዩ። ግጥምታቱ ግን ልክዕ ከምቲ ናይ ማሰ ዝተፈላልየ ሓሳባት ዝሓዘለ መልእኽትታት ዝግለጸሉ ደኣ’ምበር፡ ኣብዚ ናይ ቃላዊ መበቈል ዝትርጕሙ ጥራይ ዝተሓጽረ ዘይምዃኑ ኣቶ ሰለሙ ጸሃየ ይገልጽ። ማሰ ወይ ኣውሎ ኣብ መርዓ፡ ጽንብል (ከብካብ)፡ ወፈራ፡ ጥምቀት ወይ ካልእ ናይ ደስደስ ውራይ ብፍሱህ ቃና ተሰንዩ ዝቐርብ ግጥሚ ክኸውን ከሎ፡ መልቀስ ድማ ኣብ ቀብሪ ወይ ዝኾነ ምስ ሞት ዝተኣሳሰር ኣጋጣሚ ብናይ ሓዘን ቃና ዝበሃል ግጥሚ እዩ። እዚ መሰረታዊ ፍልልይ ገዲፍካ ግን ማሰን መልቀስን ሓደ ዓይነት ስነ- ግጥማዊ ቅርጺ እዩ ዘለዎም።
ማሰን መልቀስን ኣብ ሃገርና ኤርትራ ማለት ኣብ ባህሊ ትግርኛ፡ ብሓፈሻኡ ልሙዱን ፍሉጥን ጥበብ’ኳ እንተ ኾነ፡ ኣብ ደረጃ ዝውታረኡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ገፊሕ ፍልልየት ኣሎ። ማሰኛ/ ኣውሎኛ፡ ማሰ/ኣውሎ ክብል ምዃኑ ንኸፍልጥ “ማሰ’ስኪ’ታ ማሰ’ስኪ’ታ ማሰ!” ወይ “ኣውሎ ኣውሎ ኣውሎ ኣውሎ!” ምስ በለ በቲ ኣብ ዳስ ወይ ገዛ ዝርከብ ሰማዒ፡ “ሰዶ ሰዶ ሰዶ!” ወይ ድማ “በሎ በሎ በሎ!” ዝብል መልሲ ይወሃቦ። ናብ መልቀስ፡ ወየን ደጒዓን ምስ ንመጽእ “ወየ!” ወይ “ዋየ!” ብዝብል ናይ ሓዘን ደሃይ ተሰንዩ ይቐርብ።
ኣውሎ ኮፈኾፍ፡ ሓደ ናብ ማሰ ዘሰጋግር ደረጃ እዩ። ኣብቲ ማሰ ዝበሃለሉ ናይ ሓጐስ ውራያት ናይቲ ዉራይ ተሳታፊ ህዝቢ በሊዑ ሰትዩ ወጃዕጃዕ ክብል ምስ ጀመረ፡ ማሰ ዝበሃለሉ እዋን ከም ዝኣኸለ ንምሕባር፡ ሓደ ዓቢ ዓዲ ወይ ኪኢላ “ኣውሎ’ስከ’ታ ኣውሎ!” ኢሎም የለዓዕሉዎ። “ሰዶ!” ምስ ተመለሰሎም ድማ ብኾፎም ካብቲ ኣብ ዝኾነ ናይ ደስደስ ውራይ ተደጋጊሙ ዝበሃል ልሙድ፡ ወይ ከኣ ሽዑ መዓልቲ ወይ ቅነ ካብ ዝጓነፈ ኵነታት ተበጊስካ ዝመሃዝ ሓድሽ ኣውሎ ይብሉ። ካልኦት ሰባት ተቐቢሎም ይምልሱሎም። ድሕሪ’ዚ፡ ጐድናዊ ዕላላት ተገዲፉ ኵሉ ነቲ ናይ ሓባር መኣዲ ማሰ እዝኑ ይጸሉ። ብኸምዚ ነቶም ማሰኛታትን ተዓዘብቶምን ኣረሳሲኑ እዩ’ምበኣር ኣውሎ ኮፈኾፍ ንማሰ መድረኽ ዝገድፈሉ። ግጥምታት ኣውሎ ኮፈኾፍ ሓጸርቲ ምዃኑ ወሲኹ ዘብረሀ ኣቶ ሰለሞን ጸሃየ ከም ደርፊ ብዜማ ተሰንዩ ከም ዝብሃል ንምግላጽ፡ ሓጺር ኣውሎ ኮፈኾፍ ንዕዱማት ጆባእ ኢሉ ነይሩ።
እዞም ክልተ ማና
መን ኣራኸበና።
ማሕለፍያ መውስቦ
ለባም ዝሓሰቦ።
ክልቴና ወርቂ
ክንዋሰብ ሓቂ።
ከም ኣብነት ናይዚ ማሰን መልቀስን ዘልዕሎ ፍልስፍናውን መንፈሳውን ግድላት፡ ነቲ ማሰኛታት ብዛዕባ ህይወትን ሞትን፡ ስጋን ነብስን፡ ዝገብርዎ ምምርማር ዘንጸባርቕ ማሰ’ውን ቀሪባ ነይራ። በበግዚኡ ውራያት እናገበሩ ማሰኛታትን ለባማትን ብምዓዳም ኣውሎ ክበሃልን ክንገርን ዘተባብዑ ዝነበሩ ራእሲ ኪዳነማርያም (ዓረዛ) ንዓምር ፍካካ ዓምር ፍካካ ዝበሃሉ፡ ዳቡ (ከባቢ ዑመል) ዝዓዶም ትግረታይ ኣውሎ በሉ ምስ ተባህሉ፤
ኣንታ ወዲ ገረመስቀል ወርቂ ዘማት
ወዲ ወንደፍራሽ ወርቂ ዘማት
ወዲ ሓይለኣብ ወርቂ ዘማት
ኣሕለፍካየን እተን ጠጥዑማት
ተረፋኻ ክልተ ሕሱማት
እታ ሓንቲ እርጋን’ያ እታ ሓንቲ ምማት።
ራእሲ ኪዳነማርያም ነቲ ሽዑ ዝነበርዊ መድረኽ ህይወቶምን ንዅሉ ኣብ እርጋን ዝበጽሐ ዘበለ ሰብ ዝምልከት ኣድማሳዊ ሓቂ ዝገልጽ ማሰ ኣይተ ዓምር ፈካክ ምስ ሰምዑ ኣብ ብርቱዕ ትካዘ ኣተዉ። ልዕሊኡ ክብሃል ዝከኣል ስለ ዘይተራእዮም ከኣ “ይኣክል ድሕሪ እዚ ኣውሎ ዝብል የለን፡” ኢሎም ናይ ሽዑ መዓልቲ መደብ ኣውሎ ዓጸዉ ይብሃል።
“ማሰኛታት ክንብል ከለና መላቕስቲ’ውን ማለትና እዩ፡” ዝበለ ሰለሞን ናይ ቃና ቃላት ከምኡ’ውን ኣብ ዝውንንዎ ወይ ዘመሓላልፍፎ ክልሰ ሓሳባት ከም ዝፈላለ ገሊጹ። “ማሰ ዝብል የልቅስ እዩ፡ ዘልቕስ’ውን ከምኡ ማሰ ይብል። ከም ኣብ ኵሉ ዓውደ-ሞያታት ደረጃታት ዘሎ፡ እዞም ክልተ ዓውደ-ክእለት እውን ዝፈላልየ ደረጃ ኣስካላ ዕቤትን ክእለትን ይውንኑ። ንዝተፈላልየ ታሪኻዊ መጽናዕቲ ዓቢ እጃም ዝገብሩ ብ‘ተባህለ በሃልቲ’ ዝጽውዑ ሰብ ፍሉይ ዘገርም ክእለት ምህላዎም ክዝከር ኣለዎ፡” ክብል ኣብ ማሰን መልቀስን ሓያል መጽናዕቲ ዘቕረበ ኣቶ ሰለሞን ጸሃየ ጸቒጡ ተዛሪቡ። ንዝተማህዘ ንዝተፈጥረ ኣርብዓ ሓምሳ መስመር ግጥሚ ብቓሎም ምስ ላህጃኡ ሸምዲዶም ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ከም ዝሰጋገር ዝገበሩ “ድርድል ኣፋዊ ስነ-ግጥሚ” ምዃኖም’ውን ገሊጹ።
ሕብረተሰብና ነዞም ሰኣን ቀረብን ዕድልን ትምህርቲ ኣብ ኣካዳምያዊ ዓቕሚ ብዙሕ ዘይሰጐሙ ማሰኛታት ኣቦታት፡ ካብ ከባቢኦም ሓሊፉ ጎዶቦ ዝሽፍን ዝነበረ ዓቢ ኣበርክቶኦም፡ ዓቢ ክብሪ ተገዚሞምሉ እዋን ምንባሩ ጠቂሱ። “ኣብ ናይ ቃል ሕብረተሰብ ክትኣምኖ ዘጸግም ቅልጣፈ ውሁድ ቃላት፡ ሰዋሱው ዝሓለወ ሓሳብ፡ ፈጠርቲ፡ ደረስቲ እዮም፡” ዝበለ ኣቶ ሰለሞን፡ ማሰኛታት ኮነ ኣላቐስቲ ኣእምሮኦም ቅልጡፍ ዝኾነ ናይ ምሕሳብ ክእለት ዘማዕበለ ምዃኑ ንተጋባእቲ ሓቢሩ።
መልቀስ ብኣውራኡ ቀባራይ ነቲ ዝበሃል እናሰመዐ ንኸበኪ ተባሂሉ ከም ዝግበር ዝርድእዎ ሰባት ኣለዉ። ትሕዝቶኡ ብዙሕ ግዜ ንቐባራይ ብፍላይ ከኣ ነተን ልበን ተተንካፊ ዝኾነ ደቀንስትዮ ዘብክን ዘቘዝምን ይኹን እምበር፡ እቲ ቀንዲ ዕላማኡ ነቲ ካብዚ ዓለም ንሓዋሩ ዝሰናበት ዘሎ ሰብ ዝግበኦ መዘከርታ ጌርካ ንምፍናው እዩ። ሓደ መላቀሲ እምበኣር ንመዋቲ ከልቅሰሉ ከሎ፡ ንዝኽሩ፡ መንፈሳዊ ሓወልቲ ይትከል ኣሎ ማለት እዩ። ብእኡ እዩ ድማ፡ እከለ ንእከል ወይ ንእከሊት ዘልቀሰዎ እናተባህለ መልቀስ ተደጋጊሙ ክዝከርን ክንገርን ዝነብር። መልቀስ፡ ንኽበኪ ዘይኮነ፡ ብኣንጻሩ፡ ቀባራይ መልቀስ ክሰምዕ ክብል ብኽያትን ዋጭዋጭን ንኽገድፍ ተባሂሉ እዩ ዝግበር። ከም ኣብነት ናብታ ኣቶ ሰለሞን ጸሃየ ዘቕረባ፡ “ተስፉ ዓርከይ” ትብል ናይ ፍሉጥ ኣውሎኛ ተወልደመድህን ዘበኑ ንፈታዊኦም ኣይተ ተስፉ ወልደጋብር ምስ ሞቱ ዘልቀስዎ፡ ምስ እንምልከት፤
ተስፉ ዓርከይ ዲዩ’ታ ኣብዚ ዓራት ዘሎ
ከመዓልካ ተስፉ ብርኪ ሊሎ
ንዘይሓዉ’ንድዩ ሓወይ ዝብሎ
እንዳ ራእሲ በራኺ’ኮ ይጥራዓልካ ኣሎ
እንዳ ኮሚሰራቶ’ውን ይጥራዓልካ ኣሎ
ዘንግኻን ፈርግኻን ትምልምሎ
ንብዓል ነገርካ ዕዳ ተዀልኵሎ።
ተስፉ ዓርከይ ዲዩ ኣብዚ ዓራት ዘሎ
ነባጅጎ ዶ ኣባጅጎ ይቐትሎ
ረኺብዎ ዶታ ተሃሚሉ ከሎ
ክላ ግዳ መጎበር ኣልዕሎ።
ከባቢ ተዓዚብካ ንሰናይ ዘይበልዎ ያዕ! ምባል ልማዶም ምንባሩ ካብ ዝንገረሎም ሓደ ዓቢ ማሰኛ ነጋሽ ባይራኡ (ነጋሽ ሳግላ) እዮም ኔሮም። ካብቲ ብዙሕ ውሕሉል ጥበብ ዝተሓወሶ ማሰኦም፡ ኣብ እዋኖም ምሕጻር ክዳን ኣዋልድ ገኒኑ፡ ህዝቢ “ዘይባህልና” እናበለ ይወቅስ ስለ ዝነበረ ነዚ ሓሳብ እዚኣ ሒዞም ማሰ ዝበልዋ፡ ካብታ ኣብ 2012 ዓ.ም. ንሕትመት ዘብቅዓ “ማሰን መልቀስን ቀዳሞት፡ ምስ እኩብ ፍርያት ማሰኛ ነጋሽ ሳግላ” ዘርእስታ መጽሓፉ ነታ “ክዳን ኣይተሕጽራ” እትብል ማሰ ንዕዱማት ኣቕሪቡ።
ኣትን ጐራዙ እትመሃራ
ሓደራኽን ሓደራ ሓደራ
ካልእ ድላይክን ግበራ
እዛ ክዳን ግን ግደፋ ኣይተሕጽራ
መኽበሪትክን ነገር ኣይተሕስራ
ንቕድም ብዳንጋ ጀሚራ
ደድሕሪኡ ናብ ሰለፍ ሰጊራ
ኣብ ኮሙስክን ዓጢቕክን ሽራራ
እንታይ ገዲፍክናላ ነታ ኣውራ።
እንተ ኾነ
ኣውራ ኩሉሳዕ ኣውራ
ብዘይከኣ የለን ናብራ
ወላ መዓር ይኹን ወላ እንጌራ
ኣብ ጅጎ ዓንተቦይ ዘኽበራ
ብኽልተ እንባ ተሓጺራ
ተዓዲላ ኣብ ጽኑዕ ሰፊራ
እምበር ኣብ ርእሲ እንተትኸውን ተፈጢራ
ኣብ ኢድ እንተትኸውን ተፈጢራ
ሕሱም ኣስሓይታ ምስ ኣቝረራ
ጸሓይ ጾመ’ርበዓ ምስ መረራ
ተቦንቂሳ ምኸደት በሪራ
ኣጕባዝ ምጨነቖም ምሕባራ
ደድሕሪኣ ምጸደፉ ኣብ ቋቝራ።
ንባዕላትክን ክሕሸክን ተመኸራ
እምበር ንሳስ ሒዛ’ላ ጽቡቕ ስፍራ
ኣይንስእናን ኣብ ዝነበረት ኔራ
ንኣና ክትከውንኣ ተፈጢራ።
ኣቶ ነጋሽ ሳግላ፡ ኣብ ማሰን መልቀስን ብዝገበሩዎ ውህሉል ኣበርክቶ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ 2005 ፍሉይ ሽልማት ተቐቢሎም ምንባሩ ዝገለጸ ኣቶ ሰለሞን ጸሃየ፡ ፈስቲቫል ነዞም ሰብ ዓቢ ፍልጠት ኣቦታት ኣፍልጦ ኣብ ምሃብ ዝነበሮ ዕዙዝ ተራ ዓቢ ምንባሩ ጠቒሱ። “ታሪኽ፡ ቋንቋ፡ ስነ-ትውልዲ፡ ፍልስፍና፡ ሃይማኖት፡ እምነት፡ማሕበራዊ ዝምድናታት፡ ከባብያዊ ፍልጠት … ኣዝዩ ዓሚቝ ፍልጠት ዝውንኑ ሰብ ሞያ ምዃኖም፡ ስርሖም መሬት ዘይወድቕ ቃላት ሓሳባቶም ምስክር እዩ፡” ዝበለ ኣቶ ሰለሞን፡ ቀጺሉ ሓደ ሓደ ኣብነታት በቲ ሰሓቢ ድምጹ ኣውሎ ማሰ ክብል፣ መናብር ኣዳራሽ መሊእዎ ዝነበረ ዕዱም’ውን እንተ ኾነ ኣይሓመቐን “ሰዶ ሰዶ!” ከዳምጽ ጥዑም ከይተመንወ ተዛዚሙ።