ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ኤርትራ ክሳብ 5.6 ሬክተር ዓቐን ዝበጽሕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ተኸሲቱ።
ካብ ትማሊ ሰሉስ ምሸት፣ ዕለት 01/08/2023 ሰዓት 8:15 ድ.ቐ 5.6 ሬክተር ዝተዓቀነ 11.6 ኪሜ ሸነኽ ምዕራብ ካብ ፎሮ ርሒቑ ዝርከብ ከባቢ ኣብ 10 ኪሜ ዕምቆት ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እቲ ዝበርተዐ ኮይኑ፣ ኣብቲ ዕለት 10:37 ድቐ ከምኡ’ውን ሎሚ ዕለት 02/08/2023 ካብ 6:36 ቅ ቐ ክሳብ 8፣00 ቅ ቐ ክሳብ 4.7 ሬክተር ዝተዓቀኑ ተኸታተልቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ተመሳሳሊ ቦታን ዑምቀትን ተሰኒዶም ኣለዉ።
በዚ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት፣ ዛጊት ኣብ ህይወት ሰብ ዝወረደ ጉድኣት እኳ እንተዘየለ፣ ኣብ ካሪቦሳ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ 5 ኣባይቲ ከም ዝፈረሰ ወኪል ኤረና ሓቢሩ።
ቅድሚ ሓደ ወርሒ – ብ 2 ሓምለ 2023 እውን 4.2 ሬክተር ዝተዓቀነ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ተመሳሳሊ ስነ-ቅርጻዊ ስርዓተ-ምድሪ ዝተደኮነ ቦታታት ሃገርና ኣጋጢሙ ከምዝነበረ ይዝከር።