Business is booming.

ዘይተጸውየሉ ገስጋስ ኣብ ኤርትራ

ብዩጀን ፐርየር - 14 ሓምለ 2023

ኤርትራ፡ ኣብ’ቲ ምምሕዳር ዋሽንግተን ቅቡል ዝብሎ ውሽጣውን ግዳማውን ፖሊሲታቱ ስለ ዘይትቝረን፡ ወርትግ ብጸለመታት ምስ ተደወነት እያ። ናብ ኤርትራ ገጹ ብመራኸቢ ብዙሓን ምዕራባውያን ዝቐንዕ ነቐፌታታት፡ ስርዓት ንምልዋጥ ዕላማ ዘለዎ – ኰነ ተባሂሉ ትርጉሙ ዝሰሓተ ወይ እውን ዝተማህዘ ዛንታ ኰይኑ እዩ ዝቐርብ። ካብ’ዚ ዛንታ ዝተፈልየ፡ ሓቅነት ዘለዎ፡ ‘ኤርትራ እክይቲ” ካብ ዝብል ርእይቶ ዝወጽእ ሓሳብ – ክኢላታት ኢና ብዝብሉን ብዓበይቲ ማዕከናት ዜናን ከም ውጹእ ፕሮፖጋንዳ እዩ ዝቝጸር። መንደራጋሕ መጥቃዕቲ ኸኣ ይፍነወሉ።

ነዚ ዝበሃል ኩሉ ባዕለይ ብኣካል ንምዕዛብ፡ ኣቐድም ኣቢለ ርእየዮ ናብ ዝነበርኩ ከባቢታት ኣስመራ፡ ባጽዕ፡ ኣፍዓበት፡ ከረንን ናቕፋን – ኣብ ኢትዮጵያ ዕግርግር ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ኣብ ታሕሳስ 2021 ተጓዒዘ። ኣብ ጐደናታት ከም ድላየይ እናተንቃሳቐስኩ፡ ኣብ እንዳ ሻሂን ኣብያተ-መግብን ምስ ሰባት ከዕልል ዝዓግተኒ ኣይነበረን። ኩላ ኤርትራ ዘይረ ርእየያ ክብል ኣይክእልን፣ ግና – ነቲ ብመራኸቢታት ምዕራባውያን ዝዝርጋሕ ሓበሬታ ዘይቅኑዕ፡ ዘይሚዛናውን ጐደሎን ከም ዝዀነ ዝገልጸሉ እኹል ዘተኣማምን ምስክርነት ክሕዝ ክኢለ።

ኤርትራ፡ እቲ ንምዕባለታታ እተካይዶ ብድሆታት ከይተዘከረ፡ ንምክፋኣ ጥራይ ዝፍብረኽ ጠቐነታት – መዳርግቲ የብሉን። ንኣፍሪቃ ዝፈልጥ ኩሉ፡ ኩነታት ኤርትራ ካብ ሃገራት ትሕተ-ሰሃራ ከም ዘይፍለ ከስተብህል ይኽእል እዩ። ምስ ካልኦት ክነጻጸር እንከሎ ድማ፡ ካብተን ብባህርያዊ ጸጋታት ዝሃብተማ ሃገራት ንላዕሊ፡ ኤርትራ ንብድሆታታ ብዝበለጸ ገይራ እያ ትኣልዮ ዘላ።

ኤርትራ፡ ኣብዚ ዞባ ካብ ኬንያ እውን ከይተረፈ – ዝለዓለ ንውሒ ዕድመ ዜጋታት ከተምዝግብ እንከላ፡ ዝተሓተ መጠነ ሞት ህጻናት ብምምዝጋብ፡ ካብ ኡጋንዳ ቀጺላ ብካልኣይ ደረጃ ትስራዕ። ብዝርጋሐ ጸዓት ኤሌክትሪክ ናብ ገጠራት ድማ፡ ካብ ሃገራት ትሕተ-ሰሃራ፡ ኤርትራ ብ10.5% ብልጫ ኣለዋ። መሃይምነት ብምጥፋእ፡ ካብ ርዋንዳን ዛምቢያን ዝለዓለ ደረጃ ሒዛ ኣብ እትርከብ ኤርትራ፡ ትምህርቲ ብዘይ ክፍሊት ናጻ እዩ ዝወሃብ። ትምህርትን ህንጸት ሰብኣዊ ዓቕሚን፡ ቀዳምነት ዝተዋህቦ ሃገራዊ ዕማም ምዃኑ ድማ፡ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ይገልጽ።

ዳርጋ ኣብ ተቐራራቢ እዋን ምስ ኤርትራ ናጽነት ካብ ዝረኸበት ናሚብያ ብዝሓሸ እውን – 80% ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ርሕቀት ናይ ክልተ ሰዓት ስጉሚ – ነቝጣ ትካል ጥዕና ይረክብ።

ኣብ ዝሓለፋ ሒደት ዓመታት፡ ድኽነት ኣብ ምንካይ ኣገዳሲ ገስጋስ ከም እተመዝገበ ዝገልጽ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ክንክን ኣደን ዕሸልን፡ ዝርጋሐ ጥዕና ንዓበይቲ ዝነኣድ ዓወት ከም እተራእየ የረድእ።

ሃገራት ምዕራብ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተደራረበ ዓለባታት እገዳ ንምንታይ ከም ዝኣለሙ ምእንቲ ከይክሻሕ፡ ብድሆታት ኤርትራ ዘይናቱ ትርጉም እናተዋህቦ እዩ ዝግለጽ። ክንየው እቲ ኹሉ እገዳታትን ዝቐርብ ምስምስን ግና፡ መርገጺ ኤርትራ ንጹር እዩ። ሶማልያ ክትገዛዛዕ ከምዘይተፈቅድ ኤርትራ ብዘርኣየቶ መርገጺ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2009 ሰፍ ዘይብል እገዳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ሸኒኑ። ኣመሪካን ካልኦትን፡ ሃገራት ማእከላይ ኣመሪካ – ኣብ ልዕሊ ኒካራጓ እገዳ ከሕልፉ ኣብ ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ 2023 ኣብ ዝጐስጐስሉ ግዜ እውን፡ ኤርትራ ኣብ ጐድኒ ኒካራጓ እያ ቈይማ።

 

ኣብ ቀረባ እዋን፡ ንጻውዒት “ዘይገሃስ ቀዋሚ መሰላት ንመሰል ርእሰ-ውሳኔ ፍልስጤማውያን” – ኤርትራ ብዘየወላውል ናይ ደገፍ ድምጺ ከም ዝሃበትሉ፣ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ውግእ ክቕጽሎ ብሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ እማመታት – ኤርትራ ንኹሉ ክትነጽጎ እያ ተራእያ።

ሽሕ’ኳ ብምስምስ ሰብኣዊ መሰላት ዝተሸፋፈነ ተቓውሞታት ዝቐርብ እንተዀነ፡ ኣብ ዓለማዊ መድረኻት ከም’ዚ ዝኣመሰለ ናጻ ፖለቲካዊ መርገጺ ኤርትራ እዩ ቀንዲ ደራኺ ናይ’ቲ ምዕራባውያን ዘርእይዎ ነቐፌታ። ምዕራባውያን፡ ኣብ ኣፍሪቃን ኣብ መላእ ከባቢታት ቀይሕ ባሕርን ምስ ዝርከቡ – ብሕሱም ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ዝፍለጡ መንግስታት፡ ጽኑዕ ርክባት እኳ እንተሃለዎም፡ ክነቕፉዎም ኣይስምዑን እዮም።

ጭቡጥ ዝዀነ፡ ኣብ ባይታ ካብ ዝረአ – ግና ብዙሕ ክዛረቡሉ ዘይስማዕ ሓደ ረቛሒ ምኽንያት ኣሎ። ብዘይካ እቲ ኣብ ዓለም- ለኻዊ ፖለቲካዊ መድረኻት እተርእዮ ናጻ ኣመለኻኽታ፡ ንምዕራባውያን ጸላዕላዕ ዘብል – ምስ’ቲ ምዕራባውያን ንኣፍሪቃ ዝሕንጽጹላ መንገዲ ዘይቃዶ፡ ናይ ብሕታ ዘቤታዊ ራእይ ልምዓት ኣለዋ። ሽሕ’ኳ ብዓለማዊ መለክዒ ዕብየት ኤርትራ ድኻ እንተዀነት፡ ኣማራጺ ስርዓተ-ቁጠባ ኣብ ምምዕባል እትገብሮ ጻዕርታት፡ ምስ ድልየት ምዕራባውያን ዘይከየድ ብምዃኑ፡ ከም ፋሉል ሃገር ክጥቅንዋ ይስማዕ እዩ።

ልምዓታዊ መደባት

ብመግቢ ርእስኻ ናይ ምኽኣል መደባት፡ እታ ሃገር ካብ እትሰርዖም ናይ ቀዳምነታት ቀዳምነት እዩ። እዚ መደባት እዚ፡ ኣብ ከባቢ 80ታት ብንዮ-ሊበራላዊ ስርዓተ- ቁጠባታት ተጓሒፉ ዝጸንሐ እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ኤርትራ ግና ህያው ኰይኑ ይስራሓሉ ኣሎ። ብዓይነይ ዝተዓዘብክዎ፡ ኣብ መንጎ ኮርፖረሽን ጥሪትን ዘራእትን ኣብ ከባቢ ሓልሓለ ምስ ዝርከባ – ኣብ ምርባሕ ከብትን ውጽኢት ጸባን፡ ሕርሻ ቡን፡ ማንጎ፡ ግሬንን ኣቦካዶን ዘፍርያ ቁሸታትን ዘሎ ምትሕግጋዝ ምጥቃስ ይከኣል።

እዚ ሕርሻዊ ዋኒን እዚ፡ ብዘይካ እቲ መነባብሮ ኣብ ምምሕያሽ ዘለዎ ተራ፡ ካብ ግዳም ናብ ሃገር ዝኣቱ ሸቐጣት መግቢ ንምትካእ ተስፋ ዘለዎ እዩ። ኣብ ክንዲ ቀመማዊ ድዅዒ፡ ካብ እንስሳ ዝርከብ ባህርያዊ ድዅዒ ኣብ ኤርትራ ተመራጺ ከም ዝዀነ እውን ክዕዘብ ክኢለ። ኣብ’ዚ ሕርሻዊ ትካል፡ ስራሓት ኤርትራ ብዝዀነ ናውቲ ነጠብጣብ ማይ መስኖ ክዕደል እውን ተዓዚበ። ኣብ’ቲ ትካል፡ ኣስታት 2000 ብቀዋሚ ዝተቘጽሩ ሰራሕተኛታት ክህልዉ እንከለዉ፡ ኣስታት 1700 ደቂ’ቲ ከባቢ ኸኣ ብውዕለት ይሰርሑ።

ሰራሕተኛ ዝረኽብዎ ማሃያ ብዙሕ’ዩ እኳ እንተዘይተባህለ፡ ምስ 50% ላዕለዋይ ጽፍሒ ወርሓዊ ደሞዝ ሰራሕተኛ እታ ሃገር ዝቝጸር እዩ። ፍርያት ናይ’ቲ ሕርሻ ድማ፡ መንግስቲ ቀዳምነት ናብ ዝህቦም ከም ናይ ዕደና ነቝጣታት ናብ ዝኣመሰሉ ቦታታት ይዕደል። ኣብ ቀረብ ስጋ ዝተበጽሐ ደረጃ እውን ቀሊል ኣይበሃልን። ብዝተወደቡ ማሕበራት ኣብ ዝተደኰኑ ናይ መዐደሊ ማእከላት ዝበጽሕ ፍርያት እውን፡ ሓቲተ ከም ዝረኸብክዎ – ብሕሱር ዋጋ ከም ዝሽየጥ ተረዲአ።

ከምዚኦም ዓይነት ሕርሻዊ ዋኒናት፡ ተደጋጊፉ ዝኸይድ ቁጠባዊ ምትእስሳራትን ከባቢያዊ ዕዳጋታትን ክፈጥር ይኽእል እዩ። ንውሕስነት መግቢ ሓጋዚ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ድማ፡ ሃገር ካብ ግዳም መግቢ ንምእታው እተውጽኦ ናይ ወጻኢ ሸርፊ የሕዊ፣ ዕዳጋታት የረጋግእ፣ እቶት ነበርቲ ገጠር የዕቢ። ጸጋታት ሃገር ብዝግባእ ሰሪዑ ሰብኣዊ ዓቕሚ ኣደላዲሉ ንዋኒናት ከመሓድር ዝኽእል መንግስቲ ስለዝዀነ፡ ኣብ ምምዕባል እትርከብ ዕሸል ሃገር ካብ መንግስቲ ደገፍ እናተገብረላ ክትወስዶ ዝነበራ ኣማራጺ እዚ መንገዲ እዚ እዩ።

ነዚ ሕርሻዊ ዋኒን/ትካል ዝተዓዘበ ወገን፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ – ኣብ ልዕሊ ንግዳዊ ኮርፐረሽን ቀይሕ ባሕሪ ኣብ 202 ንምንታይ እገዳ ኣሕሊፉ ከመዛዝን ይኽእል። ኮርፐረሽን ቀይሕ ባሕሪ ከም ኣቕራቢ ትካል፡ ምስ ጨናፍር ሚኒስትሪ ሕርሻ ስምምዓት የሳልጥ፡ ናውቲ ኣብ ምዕዳግን ኣብ ዝርጋሐ ዕደላታት ናውትን ዓቢ ግደ ስለ ዘበርክት፡ ኣብ ልዕሊ ትካል ቀይሕ ባሕሪ ዝንበር እገዳ፡ ኣብ ልዕሊ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ነበርቲ ገጠር እገዳ ምሕላፍ ማለት እዩ። ኣብ ልዕሊ እቶም ሓረስቶት ብሰንኪ እቲ እገዳ ክወርድ ዝኽእል ጸገማት ዘርዚርካ ኣይውዳእን። ኣህላኺ ህዝቢ ኸኣ ብናህሪ ዋጋ ፍርያት ሕርሻ ኣብ ጸገማት ይወድቕ።

ኤርትራ፡ ነቲ ንሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ መጻወድያ ዘእቱ ፈተናታት ንምስጋር፡ ብኣጋ እያ ተዓጢቓ መከላኸሊ ኣዳልያ። ብዘይካ ብቑዕ ዓቕሚ ክኢላ ኣብ ዘይተረኽበሉ ኩነታት፡ ኣውፈርቲ ኩባንያታት ወጻኢ ኣብ ኩሉ ጽፍሒ ዕዮ ወዲ ሃገር ክቘጽራ ኣለወን። ኣውፈርቲ ንዝጥቀሙሉ ቀረባት ኣብ ውሽጢ ሃገር ክርከብ ብዝከኣል ጸጋታት ቀዳምነት ክህቡ ኣለዎም። ዳርጋ ኩሎም ኣውፈርቲ ትካላት፡ ብዘይካ እቲ ዝኸፍልዎ ናይ ዋንነትን ግብሪ እቶትን፡ ምስ ኩባንያታት ሃገር ብውሑድ ኣብ 60/40 ብርኪ እዮም ዝዓዩ። እዚ ኣገባብ እዚ፡ ኤርትራ ልዑል መጠን ገንዘባዊ እቶት ክትረኽበሉን ዘለዋ ሰብኣዊ ዓቕሚ ኣብ ረብሓ ከተውዕሎን የኽእላ። ናጻ ዕዳጋ እናተባህለ – ኣብ ዝጽዋዕ ንኹሉ ውጽኢት ዕዳጋን እቶትን ዝውስን ስርዓተ- ቁጠባ ኣብ ዝዓብለሎ ዓለም፡ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ዓለምና ከም’ዚ ዓይነት ፖሊሲታት ዘማዕበላ ሃገራት የለዋን ክበሃል ይከኣል።

ካብ ጻህያይ ባሕርን ተረፍ ስጋ ዓሳን፡ ባህርያዊ ድዅዒ ዝምስረሓሉ ትካል ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እውን – ካብ ዝተዓዘብክዎ ዋኒናት ልምዓት ሓደ እዩ ነይሩ። ኣብ’ዚ እዋን እዚ፡ ወርሓዊ ኣስታት 40 ሺሕ ሊትሮ ፈሳሲ ባህርያዊ ድዅዒ የፍርዩ ኣለዉ። ኣብ ዝቕጽል ክልተ ዓመት፡ ን32 ሽሕ ሄክታር ግራውቲ ዝሽፍን ወርሓዊ ፍርቂ ሚልዮን ሊትሮ ድዅዒ ናይ ምፍራይ መደባት እውን ሒዞም ኣለዉ። ኣብ ገማግም ዝነብሩ ማሕበረ-ሰባት፡ እቲ ድዅዒ ዝምስረሓሉ ብዙሕ ጻህያይ ባሕሪ እናማእረሩ ናይ ስራሕ ዕድላት ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። እዚ ፍርያት እዚ ንፍርያት ድንሽ ብ28%፡ ንበርበረ ብ17% ክብ ኣቢልዎ ኣሎ። ንዝተወሰኑ ዓይነታት ዕንባባ ኸኣ – ብ20 ሰንቲ-ሜተር ክገዝፉ ኣኽኢልዎም ኣሎ።

ኣቐድም ኣቢሉ፡ እቲ ውጽኢት ስጋ ዓሳ ብኢድ እዩ ዝቈራረጽ ነይሩ። ኣብ’ዚ ግዜ ግና፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ካብ እተረኽቡ ናውቲ ብሰብ ሞያ ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ዝተገጣጠሙ መሳርሒታት ይዕየ ኣሎ። እቲ ትካል ኣብ ዝተደኰነሉ ስፍራ፡ ነቲ ድዅዒ መሀብተሚ ዝኸውን ‘ዓዀር’ ምእንቲ ክርከብ እውን፡ መፍረ ደርሁ ናይ ምትካል መደባት ወጺኡ ይርከብ። እተን ደርሁ ብዘይካ ድዅዒ ንመግቢ ሰራሕተኛታት ክውዕላ ስለዝኽእላ፡ ኣብ ሰንሰለታዊ መነባብሮ ኣብነታዊ ዝዀነ ተደጋጊፉ ዝቕጽል ውሑስ ስርዓተ-ኣከባቢ ይፍጠር ኣሎ ማለት እዩ።

ብዘቤታዊ ጸጋታት ጥራይ፡ ከባብያዊ ኢንዱስትሪታት ይስስኑን ውሕስነት መግቢ ኸኣ ኣተኣማማኒ እናዀነን ይኸይድ።

ይቕጽል

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More