Business is booming.

ኣብ ሃገራዊ ፈስቲቫል ቀሪቡ ዘሎ ትሕዝቶ፡ ትስፉው መጻኢ ዝእምት ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብ ሃገራዊ ፈስቲቫል ቀሪቡ ዘሎ ትሕዝቶ ሃገራዊ ፍርያት፡ ውጽኢት ናይ’ቲ ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ዘሎ ዕቑር ጸጋታት ንምምዝማዝን ንምምዕባልን ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕሪ ኰይኑ፡ ትስፉው መጻኢ ከምዝእምት ተሓቢሩ።

ኣብ’ዚ “ቅያ ስጡም መስርዕ’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብ13 ነሓሰ ብወግዒ መጋረጅኡ ዝቐንጠጠ ሃገራዊ ፈስቲቫል፡ ብዘይካ’ቲ ንባህልን ወግዕን ዝገልጽ ትሕዝቶ፡ ንጥፈታት ኩባንያታት ዕደና ቢሻ፡ ዛራ፡ ድባርዋን ካልኦትን፣ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ኣበርክቶ ዝገብር ብመንእሰያት ዝቐረበ ስራሓት ምህዞ፡ ሰንዓን ቴክኖሎጂን፣ ከምኡ’ውን ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ኣብ ስርዓተ ኣመጋግባ ክብ ዘብል ምርኢት ዘጠቓልል ትሕዝቶ ቀሪቡ’ሎ።

“ብመንእሰያት ቀሪቡ ዘሎ ውጽኢት ምህዞን ሰንዓን፡ ንዘሎ ዓቕሚ ዘጒልሕ እጹብ ድንቂ’ዩ” ዝበለ ኣባል ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላት ኣቶ ዓብደልዋስዕ ኢብራሂም፡ ሕብረተሰብና ኣብ ዕለታዊ መነባብሮኡ ክጥቀመሉ ዝኽእል ብምዃኑ፡ ክተባባዕ ከምዘለዎ ገሊጹ።

ቀሪቡ ዘሎ ትሕዝቶ፡ ኣብ መላእ ሃገር ንዝሰላሰል ዘሎ ልምዓታዊ መደባት ብቐሊሉ ክትግንዘብን ብዓይንኻ ክትርእን ዝሕግዝ ምዃኑ ዝሓበሩ ነጋድያን ብወገኖም፡ ብፍላይ ኣብ ዝተፈላለየ ክሊታት ዕድመ ብዝርከቡ መንእሰያት ቀሪቡ ዘሎ ውጽኢት ምህዞ፡ ሰንዓን ቴክኖሎጂን፡ ኣብ’ቲ ዓውዲ ንዝጥረ ዘሎ ብቕዓትን ናይ ምግባር ዓቕሚን ዘነጽር ኰይኑ ከምዝረኸብዎ ሓቢሮም።

ኣቕረብቲ ድማ፡ ሃገራዊ ፈስቲቫል፡ ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝቢ እወታዊ ኣስተዋጽኦ ዝገብር ፍርያቶም ምስ ህዝቢ ንምልላይ ዝሕግዝ ምቹእ ባይታ ከምዝዀነ ብምጥቃስ፡ ስለ’ቲ ዝተፈጥረሎም ዕድል ኣመስጊኖም።

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More