Business is booming.

ስነ-ስርዓት መኽፈቲ ፈስቲቫል ኤርትራ 2023

ዓንዶም ግርማይ (ወዲ-ደረስ)

ወትሩ ኣብ ወቕቲ ክራማት፡ ጠሊን ዝናብን ኣሰንዩ ዝካየድ፡ ሕላገት ሓድነት ኤርትራውያን ዝኾነ ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ዓመታት ብምኽንያት ኮቪድ-19 ኣቋሪጹ ድሕሪ ምጽናሕ፡ እንሆ ሎሚ ዓመት “ቅያ ስጡም መስርዕ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ብሰንበት 13 ነሓሰ 2023 ብኽቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተመሪቑ ብወግዒ ተኸፊቱ ኣሎ።

ኣብ’ቲ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታት፡ ዕዱማት ኣጋይሽ፡ ከምኡ’ውን ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ካብ ኵለን ዞባታት ዝመጽኡ ተሳተፍቲ ዝተረኽብሉ ምዕሩግ ስነ-ስርዓት መኽፈቲ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ በቶም ዲኖ ተኸዲኖም ሴፍ፡ ዋልታን ጭማራን ከምኡ እውን በብዓይነቱ ባህላዊ ናውቲ ዓጢቖም ዝዘሉ ኣቦታትን መንእሰያትን ከምኡ’ውን ዕልልታን ጨብጨባን ብዘስምዓ ኣደታት ተዓጂቡ፡ ፈስቲቫል ኤክስፖ 2023 ብወግዒ ከምእተኸፍተ እተበስር ሪቫን ቈሪጹ። ንኽብሩ ድማ ካብ ሰለስተ ቈልዑ ሕቋፍ ዕንባባ ተበርኪቱሉ።

ኣብቲ ዕለት፡ ኣብ ቀጽሪ ኤክስፖ፡ ተለሃይቲ ኵሉን ብሄራት ብባህላዊ ኣልባሳት ወቂቦም፡ ካብ 7፡30 ቅ.ቀ ጀሚሮም ብምብራቕ ዝርከብ ኣፍደገ ቀጽሪ ኤክስፖ ብምትእኽኻብ፡ ብኽልተ ጐድኒ ናይቲ ገፊሕ ጽርግያ ተሰሪዖም ቦታኦም ሒዞም። ብያታውያን ናውቲ ሙዚቃ እተሰነየ ዕሙር ጓይላ ተኺሎም እናተጻወቱ ድማ ንምምጻእ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብሃንቀውታ ተጸበዩ። ብዘይካ’ቶም ተለሃይቲ ብኣሽሓት ዝቚጸር ህዝቢ’ውን፡ ኣብ ክልቲኡ ጸግዒ ድሙቕ ጓይላ ተኺሉ ኣብ ምዝንጋዕ ተጸሚዱ ኣርፊዱ።

ከባቢ ሰዓት 8፡30 ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ፡ ግንባርን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ከምኡ ድማ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታትን ዕድመ ዝተገብረሎም ኣጋይሽን ናብቲ ቦታ ክውሕዙ ጀሚሮም።

ዋሕዚ ክቡራት ኣጋይሽ እናቐጸለን ጓይላ ኵለን ብሄራትና መመሊሱ እናዓመረን እንከሎ ድማ ልክዕ ሰዓት 9፡00 ቅ.ቀ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ዘሳፈረት ማኪና ህሩግ በለት።

ክቡር ፕረዚደንት ሪቫን ድሕሪ ምቝራጽ፡ ነቲ ዕልልታን ጣቕዒትን ዘስምዕ ዝነበረ ህዝቢ ሰላምታ እናሃበ፡ ብጨፈራን ደበላን ተለሃይቲ ከምኡ’ውን ብዕልልታን ጣቕዒትን ኣደታት ተሰንዩ፡ ናብቲ ዝተፈላለዩ ፍርያት ማለት ምርኢት ኤግዚቪሽን፡ ምህዞን ሰንዓን፡ ትካላት ፍርያተን ዘላልያሉ መድረኽ ባዛር፡ ዞባታት እውን ንታሪኻዊ ድሕረ-ባይታአን፡ ባህርያውን ሰብ ዝሰርሖ ጸጋታተንን ካልእ ኵሉ መዳያዊ ንጥፈታተንን ዝሓቘፈ ኣዳራሻት ኤክስፖ ኣምሪሑ። ዑደቱ ድማ ብቑሸት ምርኢት ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ፈሊሙ። ብዛዕባ ገማግም ባሕሪን ጸጋታቱን ታሪኻዊ ቦታታትን ቅርስታትን፡ ባህርያዊ ሃብቲ ናይቲ ዞባን ካልእን ዝኣክል መብርሂ ተዋሂብዎ ድማ፡ ብዞባ ጋሽ ባርካ ዝተዳለዉ መሰናድኦታት ንምዕዛብ እዩ ቀጺሉ። ኣብኡ፡ ንሓፈሻዊ ንጥፈታት

ናይቲ ዞባ ማለት ንጽላት ሕርሻን ፍርያቱን፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ከም ጥዕና፡ ትምህርቲ፡ መጐዓዝያ፡ ቀረብ ማይን ካልእን ዝምልከት መብርሂ ተዋሂብዎ።

ብድሕሪ’ዚ፡ ዑደቱ ናብ ኣዳራሽ ምርኢት ዞባ ማእከል እዩ ቀጺሉ። ኣብኡ፡ ንታሪኽ ኣመሰራርታ ከተማ ኣስመራ፡ መደበርን ንጥፈታቱን፣ ሕርሻዊን ካልእ ልምዓታዊ ንጥፈታትን ናይቲ ዞባ ዝምልከት መግለጺ ተዋሂቡዎ።

ፕረዚደንት ኢሰይያስ ቀጺሉ፡ ናብ ኣዳራሽ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብምቕናዕ፡ ንሓፈሻዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ዕቚር ባህርያዊ ጸጋታት መሬትን ባሕሪን፣ ጽላት ሕርሻ፣ ታሪኻውያን ቦታታትን ደሴታትን ከምኡ’ውን ንርሒብ ዕድላት ወፍሪ ዝምልከት ንዝተዋህቦ ብስእሊ ዝተሰነየ ሰፊሕ መብርሂ ድሕሪ ምስማዕ፡ ናብ ኣዳራሽ ዞባ ደቡብ ኣምሪሑ። ኣብዚ’ውን ንንጥፈታት እቲ ዞባ፡ ኣብ ከዘንቲ ማያት ዲጋታትን ራህያታንን፣ ኣግራብን እስስሳታት ዘገዳምን፡ ሃብቲ እንስሳ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከተማን ገጠርን፡ ሸፈነ ቀረብ ጽሩይ ዝስተ-ማይ፡ ጥዕናን መጐዓዝያን ከምኡ’ውን ባህላዊ መስፈሪታት፡ ስርሓት ካይላ፡ ዛንታት ቀዳሞት ማሰታት ኣቦታት፡ ኣብ ምጽናት ዝርከቡ ቈላሕታ ዘድልዮም ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ከም ኣግራብን ካልኦትን ተዓዚቡን፡ ነቲ ዞባ ዘላሊ መብርሂን መግለጺን ተዋሂብዎን።

ዑደት ክቡር ፕረዚደንት ቀጺሉ፡ ብምትሕብባር ሚኒስትሪ ምክልኻልን ዜናን ዝተዳለወ፡ ንተወራራሲ ታሪኽን ጅግንነትን ወለዶታት ኤርትራ ከምኡ እውን ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዲፕሎማስያዊ ርክባትን…ወዘተ ኣካቲቱ ዝተዳለወ ስእላዊ ኤግዚቢሽን ተዓዚቡ። ንፕረዚደንት ኢሳይያስን ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀልን ከኣ ነፍሲ-ወከፎም ህያብ ስእሊ ተበርኪቱሎም።

ክቡር ፕረዚደንት ገና ካብቲ ኣዳራሽ ከይወጸ፡ ናብ ኵርናዕ ምርኢት ዞባ ዓንሰባ ኣላጊሱ። ኣብኡ’ውን ካብ ናይ ካልኦት ዞባታት ዘይፍለ፡ ኣብቲ ዞባ ንዝርከቡ ሰብ ዝሰርሖን ተፈጥሮኣዊን ጸጋታት ዘጕልሑ ብስእላዊ መግለጺ ተሰንዮም ዝቐረቡ መሰናድኦታት ተዓዚቡን መብርሂ ተዋሂቡዎን። ብድሕሪ’ዚ፡ ክቡር ፕረዚደንት፡ ናብቲ ብርክት ዝበሉ መጻሕፍቲ፡ ምህዞን ሰንዓን፡ ኵሉ ዓይነት ኢደ ስርሓትን ውጽኢቱን፡ ቊሸት ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ ቱሪዝም፡ ጸዓት፡ ሕርሻን ካልእን ዝሓቘፈ ኣዳራሽ’ዩ ቀጺሉ።

ኣብ’ዚ ዝተጠቕሰ ኵሉ ዓይነት ፍርያት ጥበብ ዝሓቘፈ ብሓፈሻ፡ ኣብ ምርኢት ምህዞን ሰንዓን ቀሪቦም ዘለዉ ፍርያት ዝተኣንገደሉ ምርኢት ከኣ ዝያዳ ኣተኵሮ ሂቡ ተዓዚቡዎ።

እዞም ፍርያት ቴክኖሎጂ፡ ኣብ ህንጸትን ልምዓትን ሃገር ገዚፍ ኣበርክቶ ክገብሩ ተባሂሎም ዝተማህዙን ዝተሰንዑን እዮም። ገለ ካብኣቶም፡ ኣብ ዘቤታዊ ጸዓት ልዑል ግደ ዘለዎም ክዀኑ ከለዉ፡ ገለ ድማ ኣብ ንጥፈታት ሕርሻ፡ ኢንዱስትሪ፡ ማይ፡ ጽሬት፡ ምግፋፍ ዓሳን ካልእን ኣበርክቶ ክገብሩ ዝኽእሉ እዮም።

ብመሰረት ካብ ኣዳለውቲ ደምበ ምህዞን ሰንዓን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ሃገራዊ ፈስቲቫል፡ ኣብ ኮምፕዩተር፡ መካኒካልን ኤለክትሪካልን ኣተኲረን ተመሪጸን ዝሓለፋ ዝርከባአን ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዲታት ዘተኰራ ብርክት ዝበላ ውጽኢት ምህዞን ሰንዓን ዝኾና ፍርያት ቀሪበን ኣለዋ። ብዘይካ’ዚ፡ ልዕሊ 50 ዝዀኑ ሰናዕቲን መሃዝቲን እውን ፍርያቶም ንምልላይ ብኣካል ይሳተፉ ኣለዉ።

ቀንዲ ዕላማ ናይቲ መደብ፡ ንተበላሓትነትን ምህዞን መንእሰያት ባይታ ንምፍጣር እዩ። ብኡ ኣቢልካ ከኣ፡ ፈጠራዊ ዓቕሞም ንምሕያልን ንምትብባዕን ካብ ዝብል፡ ኮሚሽን ባህሊን ስፖርትን ብምኽንያት ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ 2023፡ ፍርያቶም ዘላልይሉ ባይታ ፈጢሩሎም ይርከብ። ነዚ ባይታ ተጠቒሞም ከኣ ኣብ ነሓድሕዶም ተመክሮ ክለዋወጡን፡ ጽልዋ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣብ ሕብረተሰብና ከዕብዩን ክሕግዞም እዩ። እዚ ከኣ፡ ሽግር መነባብሮኦምን ጸገማት ሕብረተ-ሰቦምን ኣብ ምፍታሕ እጃም ከምዝህልዎ ተሳተፍቲ እቲ መደብ ገሊጾም። ብኮሚሽን ባህሊን ስፖርትን ዝተዋደደሎም ዕድል ከኣ ኣመስጊኖም። እቲ ዕድል፡ ቀጻልነት ክህልዎ’ውን ተላብዮም።

መሸጣ መጻሕፍቲ እውን ኣካል መሰናድኦ ቅንያት ፈስቲቫል እዩ። ንብዙሕ ሸነኻት ዓውዲ ስነ-ፍልጠትን ቴክኖሎጂን፡ ባህሊ፡ ታሪኽ፡ መነባብሮ፡ ስነ-ልቦና፡ ጥዕናን ካልእን ትሕዝቶ ዘለዎም መበቈላውያንን ዝተራዕሙን ብዓይነትን ብዝሕን ብርክት ዝበሉ መጻሕፍቲ ድማ ንመሸጣ ቀሪቦም ኣለዉ።

ቀጺሉ ክቡር ፕረዚደንት፡ ናብቲ ዓመታዊ ዘይተረፍን ቀንዲ ሕመረት ኤክስፖ ቅንያት ፈስቲቫል ድማ ዝጥመትን፡ ኣብ ሰፊሕ ቅርዓት ኤክስፖ ዝእንገድ፡ ምርኢት ያታዊ ትልሂት ኵለን ብሄራትና ተጓዒዙ። ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ ነፍሲ-ወከፍ ብሄር፡ ባህላን ያታዊ ኣነባብራኣን እንታይ ከምዝመስል ዘንጸባርቕን እትልለየሉን ትልሂት ሒዛ’ያ ትቐርብ። ምርኢት ያታዊ ትልሂት፡ ሓደ ካብ ተበጻሕቲ መሰናድኦታት መደባት ኤክስፖ ቅንያት ፈስቲቫል እዩ።

ንኽብሪ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ካልኦት ሰበ-ስልጣንን ኣጋይሽን፡ ኣብ ህድሞ ዞባ ማእከል ናይ ቁርሲ እንግዶት ተኻዪዱ ነይሩ። ድሕሪ ሓጺር ዕረፍቲ ከኣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ቁሸት ደምበ ህጻናትን ማእከል ትምህርቲን ዳህሳስን ቈልዑን እዩ ኣቕኒዑ።

ብኡ ኣቢሉ ኸኣ ብሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪን ሕርሻን ዝተዳለዉ ብርክት ዝበሉ ንጥፈታት ተመልኪቱን መብርሂ ተዋሂብዎን። በዚ ድማ ሰዓት 9፡00 ቅ.ቀ ዝጀመረ ድሙቕ ስነ-ስርዓት ምኽፋት ፈስቲቫልን ዑደት ክቡር ፕረዚደንትን ሰዓት 10፡0 ድ.ቀ ተዛዚሙ።

ኣብ ቀጽሪ ኤክስፖ፡ ንህጻናት ዘዘናግዕን ዝምህርን ዝተፈላለየ ትሕዝቶታት ዝሓዘለ ቁሸት ህጻናት፡ ካብቲ ኣሽሓት ህዝቢ ዝበጽሖ ዘሎ እዩ። ኣብ ዝተፈላለያ ናይ ህጻናትን ተመሃሮን ጉጅለታት ባህሊ ዝቐርብ ባህላዊ ትሕዝቶታት፡ ካብ ሰዓት 8፡00 ቅ.ቀ ክሳብ ሰዓት 5 ድ.ቀ ተዳልዩ ኣሎ።

ንእግረ መገድና ዝተዓዘብናዮ እንተነይሩ፡ ብዝሒ ናይቲ ናብ ቀጽሪ ኤክስፖ ንምእታው ክውሕዝ ዝወዓለ ህዝቢ እዩ።

“መንፈስ ኤክስፖ እንቋዕ ተመለሰ” ዘብል ድማ እዩ። ኣብ’ቶም መእተዊ ትኬት ክቘርጹ ዝተመደቡ ሰባት፡ ከቢድ ናይ ስራሕ ጸቕጢ ከምዘሎ ከኣ ገለ ካብኣቶም ኣዕሊሎምና።

ኣብ እዋን ቀውዒን ምእካብ ምህርቲን ፈለማ ኣብ ኣእምሮ ሓረስቶት ዝመጽእን ቅድሚ ዝኣገረ ከኣ ምድላው ዘድልዮን፡ ምህርቶም ዝእክቡሉ ዓውዲ ምውዳድ እዩ።

ዓውዲ፡ ኣብ ሕብረተ-ሰብና በብዓይነቶም ኣእካል ዝሕፈሱሉ ምልክት ምንጪ ማዕከን እዩ። ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ድማ ብሰሪ ኮቪድ 19 ንሰለስተ ዓመት ተቛሪጹ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላት፡ እነሆ ምድላዋቱ ኣጻፊፉ ንነጋድያን ከአንግድ ማዕጾኡ ኣርሕዩ ይርከብ። በዚ ኣጋጣሚ፡ ነጋድያን ጥሉል ኵነታት ኣየር ወቕቲ ክረምቲን ሓምላይ ትርኢቱን እናኣስተማቐሩ ክበጽሕዎ ተስፋና እዩ!

ኣብ ቀጽሪ ኤክስፖ ብዙሕ ንጥፈታት እዩ ዝእንገድ ዘሎ። ብዞባታት ዝተዳለወ ያታዊ ትልሂት፣ ያታዊ መሳርሒታት ሙዚቃ፣ ያታዊ ኣባይቲን መነባብሮን፡ ኣፋዊ ያታ፡ … ሲት ኮም ኮሜዲን ምምራሕ መድረኽን፡ ግጥምን ኣናብባን ዘድሃበ ስነ-ጥበባዊ መደባት ይቐርብ ኣሎ። ብዘይካ’ዚ ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዓት ቀጽሪ ኤክስፖ፡ ብዝተፈላለያ ጒጅለታት ባህሊ ድሙቕ ጓይላን ትልሂትን ይስማዕ። እቲ ንሓድነትን ስኒትን ኤርትራውያን ዘጕልሕ ፈስቲቫል፡ ብጒጅለ ባህሊ ዞባታት፣ ምርኢት ፍርያት ትካላት፣ ምርኢት ምህዞን ሰንዓን፣ ማእከል ትምህርቲን ዳህሳስን፣ መዘናግዒ ህጻናትን ቈልዑን፣ ለይታዊ ትልሂትን ካልእን መሰናድኦታት ማዕሪጉ ክሳብ 20 ነሓሰ ከምዝቕጽል ካብ ኣወሃሃድቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ሰናይ ቅንያት ፈስቲቫል ምስ ጥሉል ክራማት!!

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More