ኣብ ሃገራዊ ፈስቲቫል 2023 ንምርኢት ቀሪቡ ዘሎ ቁሸት ዞባታት፡ ኣብ ምዕቃብን ምስግጋርን ባህሊ ዓቢ ተራ ከምዘለዎ፡ ነጋድያን ገሊጾም።
እዞም ካብ ዝተፈላለያ ዞባታት ሃገርናን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያን፡ ኣብ ፈስቲቫል ዝካየድ ዘሎ ንጥፈታት ብሓፈሻ፡ ኣብ ባህላዊ መዳይ ኣተኲሩ ዝካየድ ዘሎ ድማ ብፍላይ ከምዝመሰጦም ብምሕባር፡ ንባህልን ልምድን ብሄራት ኤርትራ ብቐረባ ክርእዩን ክፈልጡን ከምዝሓገዞም ኣብሪሆም።
ዝበዝሑ ካብ’ቶም ኣብ ባህሊ ዝነጥፉ ዘለዉ ዜጋታት መንእሰያት ምዃኖም፡ ባህልን ልምድን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ንምስግጋር ንዝካየድ ጻዕሪ ዘጒልሕ ከምዝዀነ’ውን ሓቢሮም።
ካብ ኣመሪካን ኣውሮጳን ዝመጹ ነጋድያን፡ ኣብ ስደት ንዝተወልዱ ደቆም ባህልን ልምድን ሃገሮም ከምዝፈልጡ ንምግባር ቀጻሊ ጻዕሪ ከምዝካየድ ጠቒሶም፡ ኣብ ሃገራዊ ፈስቲቫል ብኣካል ክርእይዎ ከለዉ ድማ ብዝበለጸ ክፈልጥዎን ምስ ሃገሮምን ህዝቦምን ዘለዎም ምትእስስር ክሕይልን ከምዝሕግዝ ኣብሪሆም።
ካብ ውሽጢ ሃገር ዝመጹ ነጋድያን ብወገኖም፡ ፈስቲቫል ንሓድነትን ምትሕቚቛፍን ህዝብና ብዝለዓለ ዘገልግል ብምዃኑ፡ ቀጻሊ እናመቀረን እናደመቐን ዝኸይድ ዘሎ፡ ካብ ቀንዲ በዓላት ኤርትራውያን ኰይኑ ምህላዉ ኣነጺሮም።
እቶም ነጋድያን ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ፈስቲቫላት ዝግበር ንጥፈታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክምዕብል ምእንቲ፡ ተራ ኩሉ ኣካል ሕብረተሰብ ክሕይል ኣዘኻኺሮም።