ሳላ ፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ ቀጽሪ ኤክስፖ፡ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ንባህሊን ልምድን ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዘላሊ ዝተፈላለየ ምርኢታት ክቐርብ ጸኒሑ እዩ። እዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ዓመታት ግን፡ ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ፡ እቲ ኣጋጣሚ ተቛሪጹ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሎሚ ዓመት ዳግም ከም ቀደሙ፡ ብጽቡቕ ምድላዋትን ፍናንን ክቕጽል ክኢሉ ኣሎ።
በዚ ከኣ መዓልታዊ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ይነግዶን ይቋደሶን ኣሎ። ብፍላይ ወረስቲ ሕድሪ መንእሰያትን ህጻናትን ካብን ናብን ቁሸታት ተውዛሕዛሕ ክብሉን ባህልን ልምድን ሕብረተ-ሰቦም ክወርሱን እንክትርኢ፡ ዕላማ ናይ’ቲ ምርኢት ማዕረ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ይስወጠካ። ከምኡ’ውን ካብ ወጻኢ ሃገር ዝመጽኡ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን፡ ምስ ደቆምን ምሓዙቶምን ኣብ’ቲ ንግደት ክሳተፉ እንክትዕዘቦም፡ ኤርትራዊ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ፈታዊ ዓዱን ዓቃቢ ክብረቱን ባህሉን ምዃኑ የሐብነካ።
ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ብሓደ እናነበረን ብእኩብ እናሓሰበን እዩ ክመጽእ ጸኒሑን ዘሎን። ምስጢር ሓድነቱን ፍቕሩን እውን ኣብ’ዚ እዩ ዝምርኰስ። እዚ በብዓመቱ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን ዝእንገድ ዘሎ ፈስቲቫላት ድማ፡ መቐጸልታ መግለጺ መንነቱን ሓድነቱን ኰይኑ፡ ከም ሃገርን ህዝብን ብሓደ ተኣኪብና ሓሳብ ንሓሳብ ክንለዋወጥ ከምኡ’ውን ተሞኩሮታትና ክንካፈል ባይታ ዝህብ ስለዝዀነ፡ ኣብ ሓድነትናን ክብርታትና ነዳዲ ዘወስኽ ጽምብል እዩ።
ናይ ሎሚ ዓመት ፌስቲቫል፡ ድሮ ሓምሻይ መዓልቱ በጺሑ ኣሎ። ኣብ’ቲ ብቕድሚ ትማሊ ዝገበርናዮ ዑደት ድማ፡ ብርክት ዝበሉ ቦታታት ክንበጽሕ ክኢልና ኢና። ንኣብነት፡ ምርኢት ምህዞን ሰንዓን ቁሸት ተማሃሮ፡ ሓደ ካብ’ቲ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ኤክስፖ ቀሪቡ ዘሎ ንጥፈታት እዩ። ኣብ’ቲ ምርኢት፡ ካብ ኩለን ዞባታት ዝመጽኡ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ተሳቲፎም ኣለዉ። ንሳቶም፡ ኣብ ትሕቲ ‘ሮበቲክስ ሰንተር’ ዝተባህለ ማእከል ስልጠና፡ ብኢንጂንየር ፊልሞን ሃብተ ክስልጥኑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ነዚ ናይ ፈስቲቫል ዕድል ተጠቒሞም ዝተፈላለየ ምህዞን ሰንዓን ሒዞም ከቕርቡ በቒዖም ኣለው።
‘ሮበቲክስ ሰንተር’፡ ብክኢላ ኮምፒዩተር ኢንጂነሪንግ ፊልሞን ሃብተ ዝእለ ኰይኑ፡ ዓመት ምሉእ ብዘይ ምቁራጽ፡ ንተማሃሮ በብደረጃኦም ከሰልጥን ዝጸንሐን ዝቕጽል ዘሎን ማእከል ስልጠና ቴክኖሎጂ እዩ። እቶም ተማሃሮ፡ ብክልሰ ሓሳብን ግብርን እዮም ዝስልጥኑ። እቲ ዝበዝሐ ክፋል ትምህርቶም ድማ፡ ግብራዊ ምህዞ እዩ። እዚ ማለት፡ ንሶፍትዌራትን ካልእ ቴክኒካዊ ነገራትን ኣብ ክንዲ ብክልሰ ሓሳብ ጥራይ ዝመሃሩዎ፡ ብግብሪ እናፈተንዎን እናሰርሕዎን እዮም ዝኸዱ። እዚ ከኣ፡ ነቲ ክእለት ናይ ምህዞኦም ዝያዳ ብቕዓቶም ከጽፍፉን ናብ ዓበይቲ ደረጃ ክበጽሑን ዝሕግዞም እዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ፡ ንኣገዳስነት ናይ’ቲ ትምህርቲ ዕዙዝ ይገብሮ።
ሮበቲክስ ሰንተር፡ ምስ ከም ኩባንያ ኤሪ- ሶክን ካልኦት መንግስታውያን መሻርኽቲ ኣካላትን ብምትሕብባር እዩ ተማሃሮኡ ዘሰልጥን። ተማሃሮ ናይ’ዚ ማእከል ስልጠና ቴክኖሎጂ ድማ፡ ኣብ እዋን ስልጠና፡ ሓደ ፕሮጄክት ከቕርቡ’ዮም ዝሕተቱ። ካብ ቀዳማይ ናብ ካልኣይን ልዕሊኡን ዘሎ ደረጃ ንኽሰግሩ ከኣ፡ ተፈቲኖም እዮም ዝሓልፉ። ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝርከቡ ኣስታት 88 ተመሃሮ ክህልው እንከለው፡ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ከኣ 34 ተማሃሮ ኣለው። እዚ ፈተና ተፈቲንካ ደረጃታት ናይ ምስግጋር መስርሕ፡ ነቲ ናይ ቴክኖሎጂ ትምህርቲ ተገዲሶምን ዓቲቦምን ክሕዝዎ ዘተባብዖም እዩ።
ኣብ ምርኢት ምህዞን ሰንዓን ቁሸት ተማሃሮ እምበኣር፡ ንሓደ ዓመት ምሉእ ክስልጥኑ ዝጸንሑ ብጉጅለታት ዝተመቓቐሉ ተማሃሮ’ዮም ፍርያቶም ንበጻሕቲ ፈስቲቫል ዘላልዩ ዘለዉ። ንሎሚ ከነላልየኩም መሪጽና ዘለና – ሸውዓተ ካብኣቶም ኰይኖም፡ ዓወት ፍረዝጊ፡ ቢላል ሙጂብራሕማን፡ መዋሂብ ዓብዱራሕማን፡ ሞርያ ሳምሶን፡ ናሆም ኣብራሃም፡ ጴጥሮስ ዓንደማርያምን ሰሱና ፍጹምን ዝበሃሉ እዮም። ንሳቶም ብኣካዳሚያዊ ትምህርቶም ናብ ታሽዓይ ክፍሊ ሓሊፎም ዘለው ኰይኖም፡ ምስ ጥዕና ዝተኣሳሰር ምህዞ እዮም ኣብ ኣደራሽ ቁሸት ምህዞን ሰንዓን ኣቕሪቦም ዘለዉ።
እዛ በዞም ዝተጠቕሱ ተማሃሮ ቀሪባ ዘላ ምህዞ፡ ንስንኩላን እትሕግዝ ምዕብልቲ ዊልቸር ወይ ዓረብያ እያ። እዞም ተማሃሮ፡ ነታ ዊልቸር፡ በቲ ኣብ ሮበቲክስ ሰንተር ዝተመሃርዎ ግብራዊ ትምህርቲ ተሓጊዞም ከምዘዳለዉዋ’ዮም ዝገልጹ። ንኸዳልዉዋ፡ ኣስታት ክልተ ወርሒ ግዜ ከምዝወሰደሎም የረድኡ። ምህዞኦም ኣብ ፈስቲቫል ኤክስፖ ንህዝቢ ከቕርብዋ ዝኽኣሉ ድማ፡ ኣብ’ቲ ዝተኻየደ ናይ ምጽራይ መስርሕ ተወዳዲራ ስለዘሓለፈት ምዃኑ ይገልጹ።
እታ ዓረብያ ስንኩላን፡ ብዝተፈላለየ ቴክኒካዊ መሳርሒታት ዝማዕበለት እያ። ገለ ካብኡ ንምጥቃስ፡ ክልተ ዓይነት መለለዪ ሰንሰር ዘለዋ ኰይና፡ እዚ ከኣ፡ ብቕድሚትን ድሕሪትን ንዘሎ ነገራት ከተለሊ ይሕግዛ። ከምኡ’ውን ብሓገዝ ባተሪ እትንቀሳቐስ ብምዃና፡ ንነዊሕ መንገዲ ክትከደላ ዕድል እትህብ ምዕብልቲ ዓረብያ እያ። ነታ ዘመናዊት ዓረብያ ፍልይቲ ዝገብራ፡ ስንኩላን ብዘይ ሓገዝን ደገፍን ናይ ካልኦት ሰባት፡ ክጉዓዙላ ዝኽእሉ ብምዃና እያ።
ነታ ምዕብልቲ ዓረብያ ተጠቒሞም ዝጉዓዙ ሰባት፡ ኣብ ኣእዳዎም ሪሞት ምሓዝ ጥራይ እዩ ዘድልዮም። በቲ ሪሞት ተጠቒሞም ከኣ፡ ንጉዕዞኦም ብዘይ ጸገም ክቈጻጸሩን ናብ ዝደለይዎ ኣንፈት ክኸዱን ይኽእሉ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ቅድሚኦም ጉድጓድን መዓንቀፍን ምስ ዝጸንሕ፡ እቲ ኣብ ቅድሚት ዘሎ ሰንሰር ናይ’ታ ዓረብያ ስለዝርእዮ፡ ብዘይ ጸገም ክሓልፉ ዕድል ይፈጥረሎም። ብዘይካ’ዚ፡ ብድሕሪት ናይ’ታ ዓረብያ፡ መካይን፡ ኣውቶቡሳትን ካልኦት ተሽከርከርቲን ምስ ዝህልዋ፡ ኣብ ዳሕራዋይ ወገና ዝርከብ ሰንሰር፡ እቲ ዝጥቀመላ ዘሎ ሰብ ነቲ ሓበሬታ ተረዲኡ መንገዱ ከመዓራሪ ኣይጽግሞን።
ዕላማ ናይ’ቶም መሃዝቲ ተማሃሮ፡ ካብ’ዚ ክብ ኢልና ዝገልጽናዮ ሓበሬታ ተበጊስና፡ ብቐሊሉ ንምርድኡ ዘጸግም ኣይኰነን። ንሰብ ሰብ ዘብሎ፡ ንኻልኦት ጽጉማት ወገናት፡ ጸገማቶም ከቃልለሎም ዝኽእል ኣበርክቶን ሓገዝን ምግባር ክሳብ ዝዀነ፡ እዞም ጌና ኣብ ጕዕዞ ትምህርትን ስልጠናን ዝርከቡ ተማሃሮ፡ ህይወት ስንኩላን ዜጋታት ንምቅላል እዮም ብዓቕሞም ተበጊሶም ዘለዉ። በዚ ከኣ፡ ኣብ ኤርትራ ንስንኩላን ወለዲን ኣሕዋትን ክትሕግዞም እትኽእል፡ ብቐሊሉ ድማ ክጥቀምሉ ዕድል ዝህብ ዓረብያ ከዳልዉ ከምዝተበገሱ ብቓላቶም ይሕብሩ።
እቶም ተማሃሮ ንስንኩላን ኣብ ግምት ዘእተወ ምህዞ ኣብ ንኡስ ዕድሜኦም ከቕርቡ ብምኽኣሎም፡ ልዑል ናእዳን ኣድናቖትን ዝግብኦም እዮም። ኣብ መጻኢ ካብ’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት ኣቕሪቦምዎ ዘለው ዝበልጽ ምህዞታት ከዳልው ምዃኖም እውን ኣየጠራጥርን። ንሳቶም’ውን ሃሞምን ቀልቦምን፡ ኣብ መጻኢ ዝበለጸ ፍርያት ናይ ምህዞኦም ሒዞም ክቐርቡን ሃገሮም ብፍርያቶም ከማዕብሉን’ዩ ምንዮቶምን ባህጎምን።
ብሓፈሻኡ፡ ኣብ ምርኢት ምህዞን ሰንዓን ቁሸት ፍርያቶም ሒዞም ዝርከቡ ተማሃሮ፡ ንህዝቦምን ሃገሮምን ኣበርክቶ ዘለዎም ኣደነቕቲ ምህዞታት እዮም ኣቕሪቦም ዘለዉ። ናይ ብዙሓት ዓይኒ በጻሕቲ ፈስቲቫል ኤክስፖ ክስሕቡ እውን ኣኽኢሉዎም ኣሎ። እቶም ብዕድመ ንኣሽቱ መሃዝቲ፡ ናይ ጽባሕ ተረከብቲ ሃገር ብምዃኖም፡ ብኹሉ መዳይ ክሕገዙን ሞራላዊ ደገፍ ክረኽቡን ከም ዘለዎም፡ ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ዝረኸብናዮም በጻሕቲ ዘዘኻኸርዎ ለበዋ እዩ። ክኢላን ኣሰልጣኒን ኮምፒዩተር ኢንጂኒየርን መንእሰይ ፊልሞን ሃብተ እውን፡ በቲ ተማሃሮኡ ኣቕሪቦምዎ ዘለዉ ዝተፈላለየ ምህዞታት ዕጉብ ምዃኑ ብምግላጽ፡ እዞም ተማሃሮ ኣብ መጻኢ ካብ’ዚ ንላዕሊ ምሂዞም ከቕርቡ ምሉእ ዓቕሚ ስለዘለዎም፡ ኵሉ ኣካል ቈላሕታ ክገብረሎምን ክሕግዞምን እዩ ተላብዩና።
ኣብ’ቲ ምርኢት፡ ምስ ጥዕና ዝተኣሳሰሩ ብርክት ዝበሉ ምህዞታት ነይሮም እዮም። ብዘይካ እዛ ዝጠቐስናያ ምዕብልቲ ዓረብያ ስንኩላን፡ ብካልኦት ጉጅለ ተማሃሮ ካብ ዝተዳለወት ምህዞ ከም ኣብነት ክንጠቅስ። እታ ምህዞ፡ ንኮሮና ቫይረስን ጽሬትን ኣብ ግምት ካብ ዘእተው ምህዞታት ሓንቲ ኰይና፡ ብሰንሰር ጥራይ ኣለልያ ማይ እተሕጽብ ቡንባን፡ ኣብ ክንዲ ሽጐማኖ ከም መንቀጺ ኣእዳው እተገልግልን እያ። እዛ ምህዞ’ውን ኣብ ሮበቲክስ ሰንተር ብዝሰልጠኑ ተማሃሮ እያ ክትዳሎ ክኢላ ዘላ። ምህዞ ናይ’ዘን ዝተጠቕሳ ክልተ ፍርያት፡ ኣብ መጻኢ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ምስ ጥዕና ዝተኣሳሰሩ ምህዞታት ብብዝሒ ክፈርዩን ክዳለዉን ዝከኣል ምዃኑ ዘመስከረ ሓቂ እዩ።
ነዚ ክውን ንምግባር፡ እዚ ስልጠና ክተባባዕን ክምዕብልን ከም ዘለዎ ኣየካትዕን። እቲ ብቐዳምነት ክመጽእ ዘለዎ ግን፡ ወለድን መማህራንን፡ ቅድሚ ዝኣገረ ዝምባለታት ንኣሽቱ ህጻናትን ቈልዑን ከለልዩ ኣለዎም። ካብ’ዚ ተበጊሶም ከኣ፡ ደቆም ኣብ ካልእ ሞያታት መታን ክነጥፉን ክምዕብሉን፡ ጐድኒ ጐድኒ ኣካዳሚያዊ ትምህርቶም ዘድሊ ኩስኳስን ኣድህቦን ክገብሩሎም – ለበዋ ኣየድልዮን። እዚ ምስ ዝግበር፡ እቶም ቈልዑ ዕድመ እናወሰኹ ኣብ ዝኸድሉ እዋን፡ ኣተሓሳስባኦምን ተመኩሮኦምን ብምስፋሕ፡ ዝማዕበለን ዝበለጸን ምህዞታት ከዳልው ኣይሽገሩን። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ከኣ፡ ዘድልዮም ቀረባትን ሓገዛትን ክግበረሎም ይግባእ።
ኣብ’ዚ ጽሑፍ ዘይተጠቕሱ፡ ኣብ ሮበቲክስ ሰንተር ካብ ዝሰልጠኑ ተማሃሮ ዝተዳለው፡ ምስ ቴክኖሎጂያዊ ምዕባለ ዝተኣሳሰሩ ካልኦት ዓይነት ምህዞታት እውን ኣለው። ነቶም ኣብ’ዚ ዘየቕረብናዮም ዝተረፉ ምህዞታት ንምዕዛብን ርእይቶታትኩም ንምሃብን እምበኣር፡ ብወገንና ናብ ቁሸት ምህዞን ሰንዓን ተማሃሮ ከይድኩም ክትበጽሑን ሞራላዊ ደገፍኩም ክትህቡን ትዕደሙ።